Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ምስ መራሂተ መንግስት ጅመን ኣንጄላ መርክል ብስልኪ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስተር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ መራሂተ መንግስት ጅመን ኣንጄላ መርክል ትማሊ ብስልኪ ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ዛዕባ ምክልኻልን ምዕጋትን ዝርግሐ ኮቪድ-19 ከምዘድሃበ ተገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ እዋን ዘተ ከምዝበሉዎ፥ ኣብዚ ፈታኒ እዋን ጀርመን ኣብ ጎድኒ ኢትዮጵያ ጠጠው ንምባል ዘለዋ ቆራፅነትን ምሕዝነትን ኣድኒቖም።

እታ ሃገር ንኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝለገሰቶም መመርመሪ መሳርሒታት ኮቪድ-19ን መገልገሊ ኣቑሑትን እውን ኣመስጊኖም።

መራሄተ መንግስት ኣንጌላ ሜርክል ብግደአን ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ንኹሉ ኣብ ዝጠቅም ስምምዕነት ንምብፃሕ ዝግበሩ ፃዕርቲታ ከምዝሕግዛ ገሊፀን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.