Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ቼክ ሪፐብሊክ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ዑደት ርክብ ክልቲአን ሃገራት ዘጠናኽር ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ቼክ ሪፐብሊክ ፔትር ፊያላ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ዑደት ርክብ ክልቲአን ሃገራት ዘጠናኽር ኢዩ ተባሂሉ።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ፥ ኢትዮጵያን ቼክ ሪፐብሊክን ኣብ ወተሃደራዊ ምትሕብባርን ኢኮኖሚያዊ ዓውዲን ዝፀንሐ ርክብ ከምዘለወን ተዛሪቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ዕላዊ ዑደት ነቶም ታሪኻዊ ርክባትን ምትሕብባራትን ብዝበለፀ ዘጠናኽሩ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።

ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)  ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ብምትሕብባር ንምስራሕ ዘለዉ ዕድላት ዝጠመተ ዘተ ከመዝገበሩ ኣብሪሆም።

ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ግብርና፣ ኢንቨስትመንት፣ ወታደራዊ ቴክኖሎጂ ምትሕብባርን ዓውዲ መሰረተ ልምዓትን ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ምዝታዮም ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.