Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ኢትዮጵያ ኩለ መዳይ ንዝኾነ መፍትሒ ልምዓት መሰረት ንምንባር ብፅንዓት ደው ምባላ ኣረጋጊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኢትዮጵያ ኩለ መዳይ ንዝኾነ መፍትሒ ልምዓት መሰረት ንምንባር ብፅንዓት ደው ምባላ ኣረጋጊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሎሚ ኣብ ዞባ ምዕራብ ኦሞ ዑደት ምክያዶምን በቲ ዘካየድዎ ዑደት ዝተሰምዖም ታሕጓስን ዝጠመተ መልእኽቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ገሊፆም።

እቲ ከባቢ ተፈጥሮኣዊ ፅባቐን ዓምዩኽ ሃፍቲን ዝመልኦ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብቅኑዕ ደገፍ ልምዓትን ኩነታት ሰላም ከባቢን ንኢትዮጵያ ስጉምቲ ምዕባለ ኣዝዩ ኣስተዋፅኦ ዝገብር ከባቢ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ምንም እኳ ኩሉ ናይ ልምዓት ባህጊ ምምላእ ግዘ ዝወስድ እንተኾነ፥ ኢትዮጵያ ኩለ መዳይ ንዝኾነ መፍትሒ ልምዓት መሰረት ንምንባር ብፅንዓት ደው ምባላ ኣረጋጊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ህዝብታት ዞባ ምዕራብ ኦሞ ዝገበርዎ ዑደት፥ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ዝገበርዎ ዘተ መበገሲ ዝገበረ ከምዝኾነ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.