Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ምስ ኣመራርሓታት ኮሚኒኬሽን ፌዴራል፣ ክልልን ቢሮታት ጥዕናን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኣመራርሓታት ኮሚኒኬሽን ፌዴራልን ክልልን ከምኡ’ውን ሰብ ሞያ ኮሚኒኬሽን ቢሮታት ጥዕና ሎሚ መዓልቲ ተዛቲዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ትዊተር ገፆም ከምዝገለፅዎ፥ ኩነታት ምፍጣር ግንዛበ ቫይረስ ኮሮናን እቲ ቫይረስ ብዝምልከት ኣፍልጦ ንምዕባይ ዝግበሩ ዘለዉ ፃዕርታትን ብዝምልከት ምስቶም ኣመራርሓ ተላዚቦም።

እቶም ሰብ ሞያ ኮሚኒኬሽን በቢብርኩ ንዝርከብ ሕብረተሰብ እዋናውን ሓቃውን ሓበሬታ ብምሕላፍ እቲ ሕብረተሰብ ክረጋጋዕ ኣብ ምግባር ልዑል ግደ ከምዘለዎም ተገሊፁ።

ስለዝኾነ መረዳእታ መሰረት ዝገበረ ሓበሬታ ብምሕላፍ እቲ ቫይረስ ኣብ ምክልኻል ተልእኾኦም ክፍፅሙ ከምዝግባእ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ተላቢዮም።

እቲ መድረኽ ዘተ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ዝተሳለጠ እንትኸውን፥ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጥዕና ዶክተር ደረጀ ዱጉማ ሓዊሱ ኮሚኒኬሽን ፌዴራልን ክልልን ከምኡ’ውን ሰብ ሞያ ኮሚኒኬሽን ቢሮታት ጥዕና ተሳቲፎም።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.