Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ብሞት ዶክተር ካትሪን ሃምሊን ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ብሞት ዶክተር ካትሪን ሃምሊን ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ መግለፂ ሓዘን፥ “ብሞት ዶክተር ካትሪን ሃምሊን ዓምዩቕ ሓዘን ተሰሚዑኒ” ኢሎም።

ዶክተር ካትሪን ሃምሊን ኣብ ኢትዮጵያ ንልዕሊ 60 ዓመታት ኣብ ዝገበርኡ ሕክምናዊ ሓገዝ ፌስቱላ፥ “ክብረን ንዝሰኣና ብኣሽሓት ዝቑፀራ ደቂ ኣኒስቲዮ ክሳደን ኣቕኒዐን ክኸዳ ገይረን ኢይን” ብምባል እውን ገሊፆም።

“ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ብምኽኒያት ሞት ዶክተር ካትሪን ሃምሊን ክብራ ስኢና ኢያ” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ንመላእ ቤተሰበን፣ ኣድነቕተንን መሳርሕተንን ምፅንዕናዕ ተመኒዮም።

ብተመሳሳሊ ዜና ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምኽኒያት ሞት ኣብ ኢትዮጵያ መስራቲት ሆስፒታል ፌስቱላ ዶክተር ካትሪን ሃምሊን ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.