Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ሓዱሽ ዓመት ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን 5፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ሓዱሽ ዓመት ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ፥ ዝሓለፈ ዓመት እንትንሓስብ ብብዙሕ እወንታዊን እኩይን ኣጋጣሚታት ተመሊኡ ኢና ንረኽቦ ኢሎም።

ብሓደ መዳይ ፀላእቲ ግንባር ፈጢሮም መጥቃዕቶም ዘጠናኸርሉ፤ እቶም ካልኦት ድማ ብውሽጢ ንንፁሃን ንሞት ዘሳጥሑ ዝኽእሉ ሰራዊት ዘዋፈሩሉ ዝተረፉ ድማ ዓለም ለኻዊ ፅዕንቶ ከሕድሩ ዝኽእሉ መድረኻትን ሚዲያታትን ኣቢሎም ስኑዕ ወፍሪ ብምግባር ከምሃገር ዝተፈተንንሉ ኢዩ ኢሎም።

ብኻሊእ መዳይ ድማ ተስፋና ዘለምልሙ፣ ንቕድሚት ንክንጓዓዝ ስንቂ ዝኾኑ ዓወታት ዝተመዝገቡሉ ዓመት ከምዝነበረ ኣብሪሆም።

ነዚ ድማ ተወዲቦም ብዝወፈርሉ ልክዕ ተወዲቦም ምምካት ከምዘይኽእሉ ዘርኣናሉ፣ ማዕቐባት ምስጋር ናብ እንኽእለሉ መገዲ ስንና ነኺስና ዝኣተናሉ፣ ብምግቢ ዓርስና እንኽእለሉ መገዲና ተስፋ ዝሃበሉ፣ ሉእላውነትና ምድፋር ዘየኽእል ዓቕሚ ንክንውድብ ዕድል ዕድል ዝተፈጠረሉ እዋን ብምንባሩ እቲ ዓመት ብመረረት ጥራሕ ዘይኮነስ ብምስግና ንክንሰናበቶ ዘኽእል ኢዩ ኢሎም።

ሓዱሽ ዓመት እንትንቅበል ከም ዕንበባ መስከረም ተስፋና ንክዕምብብ፣ ትልምና ውፅኢት ንከመዝግብ፣ሰላምና ካብ ዘረግቲ ንክፀሪ፣ ብርሃን ከምዝበርህ ብምትእምማን ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ስለዝኾነ እቲ እምነትና ንክዕወት ኩላትና ምስ ዘበን ክንቅየርይግበአና ክብሉ ኣገንዚቦም።

ምኽኒያቱ ድማ ናትና ምልዋጥ ናይቲ ዘበን ቅኑዕ ለውጢ ዘረጋግፅ ከምዝኾነ ኢዮም ኣብሪሆም።

ንሕና እንተይተለውጥና ዓመት እንተተለዋወጠ ግን ቁፅሪ ምውሳኽ እንተዘይኮይኑ ካሊእ ክኸውን ከምዘይኽእል ኣረዲኦም።

ንመላእ ህዝቢ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እዚ ዓመት ናይ ምልዋዕ ዕድልና ዝሓዘ ዓመት ብምዃኑ ምስ እዋን ልክዕ ክነዐውቶ ናብ እንኽእል ሸቶ ምጉዓዝ ግድን ኢዩ ኢሎም።

ሓዱሽ ዓመት ትርጉም ዝህልዎ በቲ እዋን ምሕላፍ እንትከኣል ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ብእዋን ምሕላፍ ዝኽእሉ ሰባት ሓዱሽ ኣሰር በቢዘበኑ ከምዘንብሩ ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.