Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ወለጋ ዘይፅገብ ፍቕሪን ከባቢ ልምዓትን ከምዝኾነ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ህንፀት ኣስፓልት ደምቢዶሎ- ሙጊ- ዶላ ኣጀሚሮም።

ወለጋ ዘይፅገብ ፍቕሪን ከባቢ ልምዓትን ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብቲ መርሃግብሪ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ፣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮንን፥ ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው፥ ርዕሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ አብዲሳን ካክኦት ሓለፍቲ ስርሕን ተረኺቦም።

እቲ መገዲ 50.9 ኪሎ ሜትር ንውሓት ዘለዎ እንትኸውን፥ መንግስቲ ፌዴራል 1.6 ቢሊየን ብር ወፃኢ ብምግባር ዘህንፆ ኢዩ።

ኣብ 3 ዓመትን ፈረቓን ከምዝዛዘም ድማ ተገሊፁ።

ኮንትራት ዝወሰዶ ድማ ናይ ቻይና ሬይልዌይ ሰቨንስ ግሩፕ ኢዩ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእሕቲ፥ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዘይፅገብ ፍቕሪን ከባቢ ልምዓትን ከምዝኾነ ገሊፆም።

ወለጋ ንህዝቢ ኦሮሞን ንነፃነትን ህልውናን ኢትዮጵያን ተምሳሌት ኢዩ እውን ኢሎም።

አብዲሳ አጋ ንሓድነት ኢትዮጵያ  ዋጋ ዝኸፈለ ኣብቲ ከባቢ ዝተወለደ ጀግና ዘላለም ታሪክ ዝዝክሮ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ቄስ ጉዲና ቱምሳ ናይ ኢትዮጵያ ማርቲን ሉተር ኢዮም ኢሎም።

ወለጋ ናይ ነጻነት ተቓላሲ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ብመሰረተልማት ፀገም ግን እንተይተረብሐ ከምዝፀንሐ ሐቢሮም።

ኣብቲ አካባቢ ዝህነፁ ፕሮጀክቲታት ወለጋ ምስ ጎረባብቲ ሃገራትን ክልላትን ንምርኻብ ተሓሲቡ ኢዩ ኢሎም።

ነበርቲ ሰላምን ጸጥታን እቲ ከባቢ ብምሕላው ልምዓት ንክቀላጠፍ ግደኦም ንክፃወቱ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮንን፥ ወለጋ ናይ ተፈለጥቲን ሰብ ውዕለታ ሃገርን ሀገር ከባቢ ኢዩ ኢሎም።

ፀገማት ሰላምን ጸጥታን ችላ እንተይበልና ንተረባሕነት ህዝቢን ሓድነትን ክንሰርሕ ኢና እውን ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.