Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ጎድና ጎድኒ ጉባኤ ኮፕ28 ምስ ፕሬዚዳንት ኩባ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ጎድና ጎድኒ ጉባኤ ኮፕ28 ምስ ፕሬዚዳንት ኩባ ሚግዌል ዲያዝ-ካናል ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ሓላፍነት ክሌማዊ ለውጢ ዓለም፣ ክልተኣዊ ምትሕብባርን ጉዳያት ብሄራዊ ልምዓትን ጠሚቶም ከምዝተመያየጡ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ካብቲ ዘተ ሓሊፉ ድማ ኣብ መካነ ርዕይ/ፓቪሊዮን/ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ተራኺቦም፤ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ክሌማዊ ለውጢ ንምፅዋርን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ትገብሮ ፃዕሪን ዘለዋ ቆራፅነትን ዘርኢ ዓውደ ምርኢት ተዓዚቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.