Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ክልል ዓፋር ተረኺቦም ፈልሲ ተኺሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ )ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ዓፋር ተረኺቦም ፈልሲ ተኺሎም።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ተኸላ ፈልሲ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኣወል ኣርባ ሓዊሱ ሚኒስትራትን ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ክልልን ተሳቲፎም።

ኣብ ክልል ዓፋር ሎሚ መዓልቲ ጥራሕ 1 ነጥቢ 8 ሚሊየን ፈልሲታት ክትከሉ ኢዮም ተባሂሉ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ ወፍሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ዓሸራ እዚ ዓመት ኣብ ከተማ ሃዋሳ ከምዘጀመሩዎ ይፍለጥ።

ነዙይ ስዒቡ ድማ ኣብ መላእ ሃገር ብስፍሓት ተኸላ ፈልሲ እናተሳለጠ ይርከብ።

ኣብዚ ዓመት ወፍሪ ተኸላ ፈልሲ 5 ቢሊየን ፈልሲታት ንምትካል ዝተሃቀነ እንትኸውን፥ ክሳብ ሕዚ 2 ነጥቢ 9 ቢሊየን ፈልሲታት ተተኺሎም ኢዮም።

ዶክተር ኣቢይ ኣብ ክልል ዓፋር ዝገብሩዎ ዘለዉ ዑደት፥ ኣብ ወረዳ ዱፍቲ ብመስኖ ዝለምዕ ዘሎ ሕርሻ መኖ እንስሳት እውን ተዓዚቦም።

እቲ ናይ እንስሳት መኖ ሕርሻ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ንኡሽተይ መሬት ዝተጀመረ እንትኸውን፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሓረስቶት በቢ 45 መዓልቲ ዝዕፀዱ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ሳዕሪ እናውቀሉ ይርከቡ።

እዚ ከይዲ ልምዓት መንግስቲ ቆላማ ከባቢታት ብመስኖ ብምልማዕ ዝጀመሮ ልምዓት ሕርሻ ሓደ ኣካል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ቅድሚ ሕዚ በረኻ ከባቢታት ተባሂሎም እንተይለምዑ ዝፀንሑ ቦታታት ናብ ስራሕ ብምእታው ካብ ወፃኢ ንዘኣቱ ፍርያት ሕርሻ ንምትካእ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብቲ እዋን ዑደት ተዛሪቦም።

እቲ ከባቢ ክሳብ ብመስኖ ሰለስተ ግዘ ከምዝለምዐ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብ መፈለምታ ሰለስተ ኣዋርሕ ጡጥ፣ ቀፂሎም ኣብ ዝነበሩ ሰለስተ ኣዋርሕ ድማ ኣዳጉራ፣ ኣብዚ ሕዚ እን ድማ ምግቢ እንስሳት ይለምዐሉ ከምዘሎ ኣገንዚቦም።

ክልል ዓፋር ንወደባት ጂቡቲን ዓሰብን ኣብ ቀረባ ርሕቐት ዝርከብ ብምዃኑ ኣብ ሕርሻ ወፃኢ ትኹረት ብምግባር ከምዝስራሕ ገሊፆም።

“ኢትዮጵያውያን ኣድህቦና ሃገርና ኣብ ምልማዕ ክኸውን ኣለዎ” እውን ኢሎም።

“ብሕብረትን ብፃዕሪን እንተሰሪሕና ርእስና ክኢልና ድሕሪ ሰለስተ ዓማውቲ ስርናይ ካብ ወፃኢ ኣይነእቱን” ክብሉ ገሊፆም።

ኣብ ሓምለዋይ ዓሸራ እቲ ክልል ዝተሳተፉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ዘላቒ ልምዓትን ምዕባለን ንምርግጋፅ ኩሉ ዜጋ ፈልሲ ንኅተክል ኣተሓሳሲቦም።

ኣልኣዛር ታደለ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.