Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ካልኣይ ምዕራፍ ፕሮጀክት ምፅባቕ ሸገር መሪቖም ከፊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ህንፀቱ ዝተዛዘመ ካልኣይ ምዕራፍ ፕሮጀክት ምፅባቕ ሸገር መሪቖም ከፊቶም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምርቓ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ እታ ከተማነ ተረኺቦም፡፡

ሓምለዋይ ልምዓት ወሰን ሩባ ካልኣይ ምዕራፍ ፕሮጀክት ምፅባቕ ሸገር፥ ኣዲስ ኣበባ ንናብራ ምችውቲን ንሽማ ዝምጥን ምስሊ ክህልዋ ብምግባር ናይ ባዕሉ ግደ ንኸበርክት ተሓሲቡ ዝተሰርሐ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ፕሮጀክት፥ ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተጀመረን ብቀረባ ክትትሎም ብፅፈትን ኣብ ሓፂር ግዘን ተሃኒፁ ንኣገልግሎት ድሉው ክኸውን በምዝኸኣለ ምፍላጥ ተኻኢሉ።

ብሃብታሙ ተ/ሥላሴን ኣፈወርቅ እያዩን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.