Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝተልዓሉሎም ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝተልዓሉሎም ሕቶታት መልሲ ምላሽን መብርሂን ሂቦም።

ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ሓደገኛን ከምዝኾነ፣ ልዑል ጥንቃቐ ከምዘየድሊዮን ኣብ መላእ ዓለም ልዑል ቅልውላው እናስዓበ ከምዝርከብን ገሊፆም።

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ እዋን ድማ ኣብ ኣፍሪካ ልዕሊ 185 ሺሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒትር፥ ኣብ ኢትዮጵያ እውን ዝርገሐ ናይቲ ቫይረስ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናወሰኸ ይርከብ።

ኣብ ኢትዮጵያ በዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት 2 ሺሕን 20 ከምዝበፅሐን 27 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈን ገሊፆም።

እቲ ተላባዲ ሕማም ኣብ መላእ ሃገር ዝተዘርገሕ እንትኸውን፥ ኣዲስ ኣበባ ዝለዓለ ቁፅሪ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዝተመዝገበላ ከተማ ኢያ።

ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ካብ ጥዕና ሓሊፉ ኣብ ኢኮኖሚን ማሕበራዊን ክፈጥሮ ዝኽእል ፅዕንቶ ትኹረት ተገይሩ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ቫይረስ ኣብ ዘፈር ማሕበራዊ ልዑል ቅልውላው ከምዘስዓበ እውን ገሊፆም።

ቫይረስ ኮሮና ዘምፀኦ ፅቡቕ ኣጋጣሚ ናብ ረብሓ ምውዓል ስለዘድሊ ኣብዚ ጉዳይ ዘዕግብ ስራሕ ተሰሪሑ ኢዩ።

ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ስርዓት ጥዕና ኢትዮጵያ ከምዝተፈተነ ብምግላፅ፥ እቲ ፈተና ንምሕላፍ ብዝተገበረ ልዑል ስራሕ ድማ ብዙሓት ማእኸላት መመርመሪ ላቦራቶሪ ቫይረስ ኮሮና ምድላው ተኻኢሉ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ናብ ኢትዮጵያ እንትኣቱ ነቲ ቫይረስ ዝምርምር መሳርሒ ኣይነበራን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ክሳብ 8 ሺሕ ጥማዕ ደም ናይ ምርማር ዓቕሚ ዘለዎም ልዕሊ 30 መመርመሪ ማእኸላት ክትሃንፅ ክኢላ ኢያ።

ብመሰረት እዚ ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ልዑል ምርመራ ኮቪድ-19 ካብ ዝገበራ ሃገራት ሓንቲ ክትከውን ክኢላ ኣላ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ምስ ኮቪድ-19 ተተሓሒዙ ልዑል ዓቕሚ ምርመራን ፈሊኻ መፅንሒን ከምዝተፈጠረ ገሊፆም።

እቲ ናይ ምምርማር ዓቕሚ ኣብ ወርሒ ሰነን ሓምለን ዝውስኽ እንትኸውን፥ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ መዓቲ ናብ 14 ሺሕ ሰባት ናይ ምምርማር ዓቕሚ ከምዝዓቢ ገሊፀን።

54 ማእኸላት ሕክምና ከምዝተዳለዉ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ምልክት እቲ ሕማም ዘለዎም 30 ሺሕ ሰባት፣ ካብ ወፃኢ ንዝመፅኡ 45 ሺሕ ኢትዮጵያውያን ዝኸውን መፅንሒ፣ ከምኡ እውን እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም 17 ሺሕን 500 ሰባት መፅንሒ ዝኾኑ ማእኸላት ከምዝተዳለዉ ኣብሪሆም።

ምስ ባህላዊ ሕክማና ብዝተትሓሓዘ ኣብ ዝሃቡዎ መልሲ፥ ባህላዊ መድሓኒት ኣለና ዝብሉ ሰባት ብምብርትታዕ ስራሕቲ ምርምር ይቕፅል ኣሎ ኢሎም።

ምስ̕ቲ ቫይረስ ተተሓሒዙ ድማ ንኹለን ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ብር 400 ሚሊየን ሓገዝ ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ኣብዚ ዓመት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብትሽዓተ ሚኢታዊ ንምዕባይ ትልሚ ተታሒዙ ከምዝነበረ ዝሓበሩ ዶክተር ኣቢይ፥ በቲ ዝተትሓዘ ትልሚ ክዓቢ ከምዘይኽእል ብምግንዛብ ብሽዱስተ ሚኢታዊ ከዓቢ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎን ኣገንዚቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.