Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ገዳ ብዕሊ ኣጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ክልል ኦሮሚያ ወረዳ ሉሜ ዝህነፅ ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ገዳ ብዕሊ ኣጀሚሮም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እዚ ታሪካዊ ኣጋጣሚ ሓዱ ጅማሮ ምህዞን ልዑል ልምዓት ኢኮኖሚን ዘበስር ኢዩ ኢሎም።

ብተወሳኺ ምህዞ ኢኮኖሚ ብምስላጥ፣ ማሕበረሰብ ከባቢ ብብቕዓትን ዘላቕነትን ኣብ ምርግጋፅ ልዑል ግደ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

እቲ ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ኩርናዕ እምኒ ስትራቴጂ ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ንክኸውን ተሓሲቡ ዝተሰናድአ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ዓለም ለኻዊን ሃገራዊን ኢንቨስትመንት ብምስሓብ፣ ሰደድ ንግዲ ብምስፋሕን ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ፍሪያታት ብናይ ውሽጢ ዓዲ ብምትካእን ከምኡውን ኢንዱስትሪታት ቴክኖሎጂ ኣብ ምጉልባት ግደ ንክህልዎ ተሓሲቡ ዝተቐረፀ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.