Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ፋብሪካ መፍረዪ ኪት መመርመሪ ቫይረስ ኮሮና ብዕሊ መሪቖም ከፊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ፋብሪካ መፍረዪ ኪት መመርመሪ ቫይረስ ኮሮና ብዕሊ መሪቖም ከፊቶም።

እቲ ዝተመረቐ ፋብሪካ መፍረዪ ኪት ኣብ ውሽጢ ፓርክ ኢንዱስትሪ ቦሌ ለሚ ኢዩ።

ቢ.ጂ.ኣይ ጥዕና ኢትዮጵያ፥ ንዕዳጋ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ዝኾኑ ፖሊመሬስ ቼይን ሪአክሽን (ፒ.ሲ.ኣር) መመርመሪ ኪታት ቫይረስ ኮሮና ምፍራይ ጀሚሩ ኣሎ።

እቲ መመርመሪ ኪት ምስ መንግስቲ ቻይና ብምትሕብባር ዝፈሪ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ ናብ ወፃኢ ሃገራት ኣብ ዝግበር መሸጣ ቅድሚያ ንሃገራት ኣፍሪካ ከምዝወሃብ ገሊፆም።

እቲ ፋብሪካ ብተወሳኺ፥ 3 ሚሊየን ዘኣክል ቁፅሪ ንዘለዎም ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ብዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዘሓልፉ ተጓዓዝቲን ብኽፍሊት ግልጋሎት ላብራቶሪ ክህብ ኢዩ ተባሂሉ።

እዚ ድማ ዓቕሚ ምምርማር ቫይረስ ኮሮና ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካን ከዕቢ ከምዝኽእል ተሓቢሩ።

ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ምቁፅፃር ምስተኻእለ፥ እቲ ማእኸል መፍረዪ መመርመሪ ኪት መፍረዪ መመርመሪ ኪታት ሳንባ ነቀርሳ፣ ኤች.ኣይ.ቪ ኤድስን ካልኦት ናይ ሪል ታይም (ኣር.ቲ.) ፒ.ሲ.ኣርን ሓዊሱ ካልኦት መፍለዪ ኬሚካላት ኒዩክሊክ ኣሲድ ናብ ምፍራይ ከምዝሰጋገር ተገሊፁ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ነቲ ፋብሪካ መሪቖም ምስከፈቱ ከይዲ ህንፀት ሆስፒታል ፊልድ ቫይረስ ኮሮና ተዛዋዊሮም ተዓዚቦም።

ህንፀት እቲ ኣብ ወርሒ ጉንበት ዝተጀመረ እንትኸውን፥ ኣብ ቀረባ እዋን ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ተቐቢሉ ግልጋሎት ሕክምና ክህብ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.