Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) አብ ቻይና ግዝአት ሲዥዋን ከተማ ቼንግዱ ዑደት ገይሮም

አዲስ አበባ ፣ ጥቅምት 9 ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) አብ ቻይና ግዝአት ሲዥዋን ትርከብ ከተማ ቼንግዱ ዑደት ኣሳሊጦም።

ካብ ቤጂንግን ሻንጋይን ቀፂላ አብ ሳልሳይ ደረጃ እትርከብ ዓባይ ከተማ ቼንግዱ ምስ ኢትዮጵያ ብብርክት ዝበሉ መዳያት ርክብ ፈጢራ ተባሂሉ።

ካብ እቶም ርክባት ገሊኦም ቀጥታ ትራንስፖርት ኣየር፣ ትምህርቲ፣ ትሕብብራት ሕክምናን ርክብ ንግድታት ይርከብዎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አህመድ (ዶ/ር) ኣብ ፃንሒቶም ንገዚፍ ፓርክ ኤክስፖ ግብርና ቲያንፉን ማእከል መፅናዓቲ መራቢሒ ፖንዳን ምዕዛቦም ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.