Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ምስ ጉጅለ ልኡኽ ፈንድ ልምዓት ስዑዲ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ብዶክተር ካሊድ ኤስ. ኣልኩዴሪ ምስ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ፈንድ ልምዓት ስዑዲ ሎሚ መዓልቲ ተዛቲዮም።

እቲ ዘተ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝካየድ ዘሎ ስራሕቲ ኢንቨስትመንትን ልምዓትን ድጋፍ ብዛዕባ ምግባር ዝምልከት ከምዝነበረ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ሚኒስትር ገንዘብ ፌዴሪኢ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴን ምክትል ኣቦ መንበር ፈንድ ልምዓት ስዑዲ ዓረብ ዶክተር ካሊድ ኣልክሁድራብን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝስራሕ መገዲ፣ ኣቕርቦት ማይን ልምዓት ሳኒቴሽንን ዝውዕል ሰነድ ስምምዕነት ልቓሕ 140 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ከምዘፈራረሙዎም ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ፕሬዚዳንት ኢንተርናሽናል ኣክዋ ፓወር ስዑዲ ፓዳ ፓድማንተንን ኣካያዲ ስራሕ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብርሀም በላይን፥ ኣብ ክልላት ዓፋርን ሶማሌን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምፍልፋል ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ከምዘፈራረሙዎም ተሓቢሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.