Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ ከባቢ ሆቴል ሸራተን ዝህነፅ ዘሎ ፕሮጀክት ሓምለዋይ ልምዓት ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ከባቢ ሆቴል ሸራተን ዝህነፅ ዘሎ ፕሮጀክት ሓምለዋይ ልምዓት ወሰን ሩባ ሸገር ዑደት ኣካይዶም።

ኣብ’ቲ ዑደት ምክትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ኢንጅነር ታከለ ኡማ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተሳቲፎም።

ብ29 ቢሊየን ብር ዝህነፅ ዘሎ ፕሮጀክት ሓምለዋይ ልምዓት ወሰን ሩባ ሸገር፥ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ክዛዘም ይኽእል ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እቲ ፕሮጀከት ንከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ክልተ ፈንፂሖም ዝፈሱ ወሓዝቲ ሩባታት ትኹረት ዝገበረ እንትኸውን፥ ካብ ሰሜናዊ ክፋል ኣዲስ ኣበባ እንጦጦ ተራራ ክሳብ ኣቃቂ ዘሎ 56 ኪሎ ሜትሮ ዝሽፍን ኢዩ።

በቲ ፕሮጀከት 4 ሺሕ ሄክታር መሬት ክለምዕ ኢዩ ተባሂሉ።

ሓምለዎት ቦታታት፣ ሰብ ስራሕ ቃላያት፣ “ቢንቶታት”፣ ማእኸላት ተሃድሶ፣ ማይ ዝጓዓዘሉን ማእኸላት ንግዲን ዘካተተ ህንፀት ከምዝካየድ እውን ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ሽፋን ሓምለዋይነት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሐዚ ካብ ዘለዎ 0 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ ናብ 7 ሚኢታዊ ክብ ክብል ከምዝገብር ተገሊፁ።

ብኣላዛር ታደለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.