Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶ/ር ኣቢይ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ወልመል መሪቖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ወልመል ሎሚ መዓልቲ መሪቖም።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ብተወሳኺ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተረኺቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብቲ ስነስርዓት ምረቓ፥ ድሕሪ ሕዚ ህዝቢ ዘየድሊ መስዋእቲ ካብ ምኽፋል ወፂኡ ኣብ ልምዓት ንኽዋፈር መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ለውጢ ኣብ ሽቱኡ ንምብፃሕ፥ ብምድምምፅን ብምትሕብባርን ምስራሕ ከምዘድሊ እውን ገሊፆም።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ብግደኦም፥ እቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተመረቐ ፕጀክት ልምዓት መስኖ ወልመል ኣብ ምቕያር ህይወወት ሓረስቶት ልዑል ግደ ከምዝፃወት ገሊፆም።

ሓረስቶት እቲ ከባቢ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ትሕቲ ሓገዝ መንግስቲ ዝነበሩ እንትኾኑ፥ ድሕሪ ሕዚ ግን ርእሶም ካብ ምኽኣል ሓሊፎም ፍርያቶም ናብ ዕዳጋ ንምቕራብ ከምዘኽእሎም ኣብሪሆም።

ኣብ ዞባ ምዕራብ ባሌ ወረዳ ደሎመና ዝርከብ እፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ወልመል ልዕሊ 400 ሄክታር መሬት ከልምዕ ከምዝኽእል ተገሊፁ።

ብልዕሊ ብር 36 ሚሊየን ወፃኢ ዝተሃነፀ እቲ ፕጀክት ልምዓት መስኖ፥ 1 ሺሕን 123 ሓረስቶት ተረባሕቲ ክገብር ከምዝኽእል እውን ተሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ ሩባ ወልመል ንዝህነፅ ተወሳኺ ፕጀክት ልምዓት መስኖ እውን ሎሚ መዓልቲ እምነ ኩርናዕ ኣንቢሮም።

ብብር 3 ቢሊየን ወፃኢ ክህነፅ ኢዩ ዝተብሃለ እቲ ሓዱሽ ፕጀክት ተሰሪሑ እንትዛዘም 11 ሺሕ ሄክታር መሬት ናይ ምልማዕ ዓቕሚ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.