Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒትር ጃፓን ሺንዞ ኣቤ ስልጣኖም ንምልቃቕ ወሲኖም

ኣዲስ ኣበባ፤ 22 ነሓሰ፣2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒትር ጃፓን ሺንዞ ኣቤ ብምኽንያት ፀገም ጥዕና ስልጣኖም ዝከምዝለቐቁ ኣፍሊጦም።

ወዲ 65 ዓመት ሺንዞ ኣቤ ስራሕቲ መንግስቶም ንዘይምትዕንቓፍ ካብ ስልጣኖም ከምዝወረዱ ገሊፆም።

ኩነታት ጥዕና እቶም ቀዳማይ ሚኒትር ብፍላይ ካብ ቀረባ እዋን ንነዘ ኣተሓሳሳቢ እናኾነ ምምፅኡ ይግለፅ።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2021 ዕድመ ስልጣኖም ዘብቅዕ ዝነበረ ሺንዞ ኣቤ፥ ንጃፓን ነዊሕ እዋን ብቀዳማይ ሚኒስትርነት ብምምራሕ ኣብ ቅድሚት ዝስርዑ ሰብ ኢዮም።

ኣቤ ካብ ስልጣኖም ምልቃቖም ስዒቡ ድማ ዝወከሎም ፓርቲ ንዐኦም ንምትካእ መረፃ ከካይድ ኢዩ ተባሂሉ።

ብመሰረት እዚ ሓዱሽ ቀዳማይ ሚኒስትር ጃፓን ኣብ ወርሒ መስከረም 2021 ናብ ስልጣን ክመፅእ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.