Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ምዕራፍ ህንፀት ፓርክ ኣግሮ ኢንዱስትሪ ቡሬ 96 ሚኢታዊ በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ምዕራፍ ህንፀት ፓርክ ኣግሮ ኢንዱስትሪ ቡሬ 96 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።

ፓርክ ኣግሮ ኢንዱስትሪ ቡሬ፥ ኣብ መቀነባበሪ ኢንዱስትሪ ስጋ፣ ኣትክልቲን ፍረምረን፣ ኣእኻል ዘይቲ፣ መዓርን ውፅኢታት ፀባን ንዝዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ንምቕባል ምድላዋቱ ምዝዛሙ ተገሊፁ።

ዓለም ለኸ ደረጃ ሓሊዩ እናተሃነፀ ዝርከብ እቲ ፓርክ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንቢሮ፣ መኻዚን፣ ካፍቴሪያን ንሓደ መስኮት ግልጋሎትን ዝኾኑ ህንፀት ህንፃታት ተዛዚሞም ተባሂሉ።

ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዝሐሸ ቴክኖሎጂ ከምፅእ ኢዩ ዝብል ተስፋ ዝተበረሉ እቲ ኣብ ምቅንባር ፍርያት ሕርሻ ኣብ ዝዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ዝዕድም እቲ ፓርክ ኢንዱስትሪ፥ ንመፍረዪ ዝኾኑ ሞዴል ሼዳት እውን ሃኒፁ ዛዚሙ ኢዩ።

ክሳብ ሕዚ ድማ ፍርያታት ሕርሻ ከም እታወት ዝጥቀሙ 12 ኣፍረይቲ ፕሮጀክታት ሕቶ ምቕራቦም መካየዲ ስራሕ እቲ ፓርክ ኣይተ ዳኛቸው ኣስረስ ገሊፆም።

ኣብ ምፍጣር ምትእስሳር ከተማን ገፀርን ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣለዎ ዝተብሃለ እቲ ፓርክ ኢንዱስትሪ፥ ናይ ባዕሉ ዝኾነ ፍልፍል ሓይሊ ዝደሊ ስለዝኾነ፤ ዝምልከቶ ትካል ፌዴራል ቅልጡፍ መልሲ ብመሃብ ኣፍረይቲ ናብ ከይዲ ምፍራይ ንኸኣትዉ እቶም መካየዲ ስራሕ ፀዊዖም።

ብቆንጂት ዘውዴ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.