Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ኮንፈረንስ ምርምር ፓርላማ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ኮንፈረንስ ምርምር ፓርላማ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፓርላማ፣ ዴሞክራሲያዊን ሰብኣዊንመሰላት” ብዝብል ርእሲ ኣብ መእከቢ ኣዳራሽ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ይሳለጥ ኣሎ።

ኣፈ ጉባኤ እቲ ባይቶ ኣይተ ታገሰ ጫፎ፥ ኣብ ውሽጢ ዴሞክራሲያዊ ፖለቲካ ማሕበረሰብ ኣቢያተ ምኽሪ መሳርሒታት መድረኽ መህነፂ ስርዓት ዴሞክራሲ ኮይኖም ከምዘገልግሉ ገሊፆም፡፡

ኣብዚ ዘበን ብፍላይ እናዓበያ ዝርከባን ኣብ ስግግር ዝርከቡ ኣቢያተ ምኽሪ ምስ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፣ ትካላት መፅናዕቲን ምርምርን፣ ማሕበራት ሙያ፣ ሲቪል ማሕበረሰብን ዝገብሩዎ ዕዉት ርክብ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ፀገማት ብምፍታሕን ነተን ሃገራት ብምዕባይን ርኡይ ግደ ከምዝፃወት እውን ኣብሪሆም፡፡

ኢትዮጵያ ናይ ምዕባይ ዓሚቕ ዓቕሚን ተስፋን ዘለዋ ኢያ ዝበሉ እቶም ኣፈ ጉባኤ፥ እዚ ዓቕሚ ናብ ተግባር ንምቕያርን ተስፋኣ ጋህዲ ንምግባርን ድማ መፅንዓቲን ምርምርን ወሳኒ ተግባር ኢዩ ኢሎም፡፡

ኣባላት እቲ ባይቶ፥ ንህዝቢ ይረብሑ ኢዮም ኢሎም ኣብ ዘኣመኑሎም ኩለመዳይ ጉዳያት ኣመልኪቶም ከምዝካትዑ፣ ሕጊ ከምዘውፅኡን ንመንግስቲ ከምዝቆፃፅሩን ተዛሪቦም፡፡

እቲ ዝተጀመረ መድረኽ፥ ፓርላሜንታዊ መርበብ ምርምር ብምጥንኻር እቲ ባይቶ እናካየዶ ንዝርከብ ከይዲ ለውጢ ልዑል ረብሓ ዝህብን ንፓርላማ እውን ኣብ መፅናዕቲን ሓበሬታን ዝተመርኮሰ ውሳነ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣወፃፅኣ ሕጊ፤ ኣብ ምክትታልን ምቁፅፃርን ከምኡ እውን ኣብ ተግባራት ውክልናን ብግቡእ ኩነታት ንምሕጋዝ ሀመዝውዕል ኣብሪሆም፡፡

ከምዚ ዓይነት ኮንፈረንስ ምርምር በቢዓመቱ ብስሩዕ ዝሳለጡ እንትኾኑ፥ ንኽልተ መዓልቲ ከምዝፀንሕ ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.