Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ህዳሰ ግድብ ዝተዛዘመሉ ዕለት ንኢትዮጵያን ኢትዮጵያውያንን ኣዝዩ ታሪኻዊ ዕለት ኢዩ-ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዱ ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ህዳሰ ግድብ ኢትዮጵያ ምዝዛሙ ኣመልኪተን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን።

እተን ፕሬዚዳንት ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ህዳሰ ግድብ ዝተዛዘመሉ ዕለት ንኢትዮጵያን ኢትዮጵያውያንን ኣዝዩ ታሪኻዊ ዕለት ኢዩ ኢለን።

ብዙሓት ኢትዮጵያውያንን መራሕቲን ኣባይ ንምልማዕ ልዑል ባህጊ ዝነበሮም እኳ እንተኾኑ፥ ዝሓዝዎ ትልሚ ብዝተፈላለዩ ምኽኒያታት ኣይሰመረን ኢለን።

ይኹን እንበር “ንሕና ሐዚ እንተዘይሰመረልና እውን ቀፃሊ ትውልዲ ክሃንፆ ኢዩ” ዝብል ልዑል እምነት ከምዝነበሮም ኣብሪሀን።

ሐዚ ዘሎ ትውልዲ እቲ ዝተውሃቦ ሓደራ ብምሓዝ ሓላፍነቱ ይዋፃእ ኣሎ፤ ዝጠራጠር እንተሃሊዩ ሎሚ መዓልቲ ምላሽ ረኺቡ ኣሎ ድማ ኢለን።

ነዚ ድማ ተፈጥሮ እውን ምስክርነታ ከምዝሃበት እተን ፕሬዚዳንት ገሊፀን።

ሃፍቲ ሃገርና ምስ ዓቕሚ፣ ሓድነትን ቁርፀኝነትን ዜጋታት ክሳብ ዝተዋደደ ምንም ዘይከኣል ነገር የለን ዝበላ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ፥ እንድሕር ተሓባቢርና፣ ንሓደ ዕላማ ደው እንተኢልና ምንም ዘይግበር ነገር የለን ክብላ ገሊፀን።

“ኢትዮጵያ ንባዕለይ ጥራሕ ኢላ ኣይትፈልጥን፤ ስለዝኾነ ወሓዚ ሩባ ኣባይ ምጥቃምና ንኣሕዋት ሃገራት ስለ ዘይጎድእ ፍልፍል ምጥርጣርን ንሕንሕን ክኸውን ኣይብሉን” እውን ኢለን።

እቲ ግድብ ንድሕሪት ኣብ ዘይምለሰሉ ብርኪ ብተግባር ምብፅሑ ከምዝተረጋገፀ እውን ሓቢረን።

ኢትዮጵያ ኣባል መስረትቲ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ቅድሚ 75 ዓመታት ኣብ ቻርተር ክታማ ዘንበረትን ሃገር ከምዝኾነት ዝገላፃ እተን ፕሬዚዳንት፥ እቲ ውድብ ካብ ዝተጣየሸሉ መርህ ወፂኣ ከምዘይትፈልጥ ኣዘኻኺረን።

ብተወሳኺ ዘበናትን መንግስታትን ዝተሻገረ ንሓድነት፣ ናይ ሓባር ሰላምን ምዕባለን ኣፍሪካ ዘለዋ ነቕ ዘይብል ቅዋም ጭቡጥ ምስክራ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ህንፀት ግድብና ምዝዛም ማለት ነቲ ዓውዲ ዘድሊ ውዕል ምድላው ምዃኑ ኣሚንና ኩላህና ብዙሕ ዕዮ ገዛ ከምዘለና ክንርዳእ ይግባእ ዝበላ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ፥ ብራኸ እናረአና ልዕል ዝበለ ክንምነን ናብቲ ብራኸ ኣብ ዝወስደና ክነተኩርን ይግባእ ክብላ ገሊፀን።

ሓድነትና ኣብ ዘጠናኸርናሉን ምትሕብባርና ኣብ ዝቐፀልናሉን እዋን ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ዝኸውን ነገር የለን ብምባል ድማ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፈን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.