Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ኢትዮጵያ እተተግብሮ ዘላ ሓምለዋይ ተኮር ኢንዱስትሪ ብዝምልከት ዘለዋ ተመክሮ ኣብ ጉባኤ ትካል ልምዓት ውሕመ ኣካፊሎም – ቢልለኔ ስዩም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኢትዮጵያ እተተግብሮ ዘላ ሓምለዋይ ተኮር  ኢንዱስትሪ ብዝምልከት ዘለዋ ተመክሮ ኣብ ጉባኤ ትካል ልምዓት ውሕመ ምክፋሎም ሓላፊት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም ገሊፀን።

እተን ሓላፊት፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ኣብ ኦስትሪያ ቪየና ዝነበሮም ፃንሒት ዝጠመተ መግለፂ ሂበን።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መበል 20 ሓፈሻዊ ጉባኤ ትካላት ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብምርካብ ናይ ክብሪ ጋሻ ብምዃን መልእኽቲ ምትሕልላፎም ኣብ መግለፂአን ሓቢረን።

ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት ኢንዱስትሪ እትገብሮ ዘላ ንጥፈታት ይኹን ዝርከብ ዘሎ ዝነኣድ ወፅኢት በዝምልከት ጠመተ ሂቦም ኣብቲ ጉባኤ ምግላፆም ተዛሪበን።

ቅድሚ እቲ ጉባኤ ኣብ ዝተገበረ እንግዶት ድራር ላዕለዎት ልኡኻት እውን፥ ዋና ዳይሬክተር ትካላት ልምዓት ኢንዱስትሪ ውሕመ ኢትዮጵያ ዘለዋ ተመክሮ ብኣብነት እንትገልፁ ከምዝነበሩ ሓቢረን።

እቶም ዋና ዳይሬክተር ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣቢይ(ዶ/ር) ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓማውቲ ዝመፅአ ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ብምግላፅ እንግዶት ንዝተገበረሎም ኣጋይሽ መብርሂ ምሃቦም ተዛሪበን።

ብፍላይ ኢትዮጵያ ፍርያት ስርናያ ብሰለስተ ዕፅፊ መዕባዩ ብተመክሮ ከምዝቐረበ ገሊፀን።

ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዋ ውሕስነት ምግቢ ብምዝማድ ፃዕሪታት ይግበሩ ከምዘለዉ እቶም ዋና ዳይሬክተር ምስክርነት ምሃቦም ሓቢረን።

ቀዳማይ ሚኒስር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብቲ ጉባኤ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓማውቲ  ኣብ ፖሊሲ ለውጢታት ተመፅእ ከምዘላ ኣረዲኦም ኢለን።

ከባቢ ኢንቨስትመንት ንምፍጣር፣ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ምስትኽኻል ምምሕያሻት ተፈጢሮም ንልምዓት ኢንዱስትሪ እትገብሮ ተመክሮ ምቹእ ኩነታት ከምዝተፈጠረላ ምግላፆም ተዛሪበን።

ኢትዮጵያ ኣብ መፍረይነት፣ ግብርና፣ ኢንፎርሚሽን ኮሙኒኬሽን ቴክኖሎጂ፣ ማዕድን፣ ቱሪዝም  እተረጋግፆ ዘላ ለውጢ ብዝምልከት ተመክሮ ምክፋሎም እወን ኣብሪሀን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.