Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ(ዶ/ር) መበል 1445 ብዓል ዒድ ኣልፈጥር ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መበል 1445 ብዓል ዒድ ኣልፈጥር ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ወርሒ ረመዳን መላእ ማሕበረሰብ ሙስሊም ብናፍቖትን ህንጣወን ዝፅበዮ ወርሒ ኢዩ ኢሎም።

ማሕበረሰብ ሙስሊም ኣብ ፆምን ኢባዳን ምስ ፈጣሪ ዝቀራረበሉ፣ ዚክር ዝበዝሓሉ፣ ፅቡቕ ስራሕ ዝጎልሃሉ፣ ወርሒ ምሕረትን ምብራኽን ከምዝኾነ ገሊፆም።

ዑደት ወርሒ መሰረት ብምግባር ኣብ ዝተዘርገሐ በዓል 12 ወርሒ ኣቆፃፅራ ዘመነ ሂጀሪያ፣ ቅዱስ ወርሒ ረመዳን ካብ ወርሒ ሻባን ቀፂሉ ከምዝመፅእ በምግላፅ፥ ናይ ፅድቂ ወርሒ ረመዳን ክሳብ ዝመፅእ ምእመናን 11 ናይ ፈተና ኣዋርሕ ከምዘሕልፉ ኣገንዚቦም።

ብመሰረት እዚ ረመዳን ክሳብ ዝመፅእ ብዙሕ ምዕጋስ፣ ንእወንታዊ ስራሕ ብዙሕ ቃልሲ ምግባር ይግባእ ኢሎም።

“ወርሒ መጋቢት ከም ረመዳን ኢያ። ናይ መጋቢት ለውጢ ክሳብ ዝወለዶ ሓዱሽ ናይ ተስፋ ብርሃን ክሳብ ዝመፅእ ብዙሕ ፈተና፣ ውፃእ ውረድ፣ ትዕግስቲ ሓቲቱ ነይሩ። ድሕሪ 11 ኣዋርሕ ናይ ረመዳን ምምፃእ ዘይተርፍ ከምዝኾነ ኩሉ፣ እቲ ለውጢ እውን ዘይተርፍ ኮይኑ። ግዝኡ ዝበፅሐ ሓሳብ ደው ከብሎ ዝኽእል ምድራዊ ሓይሊ የለን። ፀልማት ዋላ እንተነውሐ ንብርሃን ምትራፍ ኣይኽእልን። ተሳዒሩ ንብርሃን ቦትኡ ይለቅቕ። ሽዱሽተ ኣዋርሕ ሙሉእ ፀልማት ዘጋጥሞም ናይ ሰሜንን ደቡብን ዋልታ ከባቢታት ነዚ ሓቂ ይምስክሩ ኢዮም” ክብሉ ኣብሪሆም።

ሎሚ ዘበን ዘሕለፍናዮ ወርሒ ረመዳን ሰለማዊ፣ ብዙሓት ድኻታትን ዝተፀገሙን ዝሓገዝናሉ፣ ዝተሓጋገዝናሉ፣ ዝተፈላለዩ እምነታት ዘለዎም ኢትዮጵያዊያን ህብረ ብሄራዊ ሓድነቶም ብፅንዓት ዘርኣይሉ ወርሒ ኢዩ ኢሎም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም።

እዚ ድማ ንጉዕዞና ምልክት መብራህቲ ኢዩ ብምባል፥ ዘጋጠሙና ብድሆታት ብሓባር ብምዃን ክንሓልፎም ከምእንኽአል የገንዝበና ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

በሊሕ ሰብ ኣብ እዋን ፆም ረመዳን ዝተረኸበ በረከት፣ መንፈሳዊ ሓይልን ፀላእቲ ናይ ምርታዕ ዓቕሚን ክሳብ ዝቕፅል ረመዳን ይጥቀመሉ ኢዩ፤ ንሕና እውን ኣብ ኣብ ለውጢ መጋቢት ዝረኸብናዮ ክብሪታት ምዕባለና ክሳብ ነረጋግፀሉ ቀፃሊ ምዕራፍ ሒዝናዮም ክንዘልቕ ይግባእ ኢሎም።

ሰላም፣ ይቅርታን ፍቕርን ክብርታትና ኢዮም ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ብፍቕሪ ብምድማርን ብይቕሬታን ምሽጋር ቀንዲ መትከልና ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ታሪካዊ ስብራትና ምፅጋን ህብረ ብሔራዊ ሓድነትና ምፅናዕ ራእይና ኢዩ እውን ኢሎም።

መደመር መገድና፣ ብልፅግና መዕረፊና ኢዩ ብምባል፥ እዞም ክብሪታት ኣብ ዘበነ ለውጢ ዘጋጥሙና ብድሆታት እንፈትሓሎምን ክሳብ ቀፃሊ ምዕራፍ እንዘልቀሎምን ኢዮም ኢሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.