Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ በዓል መስቀል ብሰላም ንኽዛዘም አስተዋፅኦ ንዝገበሩ ትካላትን ውልቀሰባትን ምስጋና ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ስነስርዓት ዳሜራን በዓል መስቀል ብሰላም ንኽዛዘም አስተዋፅኦ ንዝገበሩ ትካላትን ውልቀሰባትን ምስጋና ኣቕሪቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒትር፥ “ኣካላት ፀፅታ ንዝገበሮ ፃዕሪ ከምኡ እውን ዜጋታት እቲ በዓል ብሰላማዊ መገዲ ንኽኽበር ንዘርአዩዎ ስነምግባርን ቆራፅነትን ብኣብነት ዝፅራሕ ኢዩ” ኢሎም።

መናእሰይ ንድምቀትን ሰላምን እቲ በዓል ዝገበሩዎ ኣስተዋፅኦ ኣብ ካልኦት ጉዳያት ክደግሙዎ ኢዮም ዝብል እምነት ከምዘለዎም እውን ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መወዳእታ ሰላም ንኽሕሎ ካብ ምትሕብባርን ተዋዲድካ ካብ ምስራሕን ንላዕሊ ዕዉት መገዲ ከምዘየለ ኣብ ማሕበራዊሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ፅሒፎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.