Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ንመላእ ሰዓብቲ እምነት እስልምና እንኳዕ ንዒድ ኣል ኣድሃ ብሰላም ኣብፀሐኩም ኢሎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ንመላእ ሰዓብቲ እምነት እስልምና እንኳዕ ንመበል 1 ሺሕን 442 ዓመተ ሕጅራ በዓል ዒድ ኣል ኣድሃ ዓረፋ ብሰላም ኣብፀሐኩም አብፀሐና ክብሉ ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።

እቲ በዓል ናይ ምትሕግጋዝን መስዋእቲን በዓል ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ነቢዩ ኢብራሒም ንፈጣሪኦም ዘለዎም ምእዙዝነት ዘርኣይሉ ኢዩ ኢሎም።

“ምእዙዝ ምዃን ንገዛእ ርእስኻ ብስነ ስርዓት ናይ ምግዛእ ውፅኢት እንበር ስምዒት ኣይኮነን፤” ክብሉ ገሊፆም።

ነዚ ድማ ንመን ክንግዛእ ከምዘለና ምፍላጥ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

በቢቤት ዕዮና ንትኽክለኛ መምርሒ፣ ኣሰራርሓን ኣንፈተን ተኣዚዝካ ዘይምስራሕ ፈተና ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ነቢዩ ኢብራሂም ዝተኣዘዝዎ ንምፍፃም ዘጋጠሞምክ ፈተና ኩሉ ሓሊፎም ኢዮም ኢሎም።

ስለዝኾነ ኣብ ጉዳይ ሃገር ኩላትና በቢዝተዋፈርናሉ ዓውዲ ነዚ ክብሪ ክንሕዞ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም።

ሐዚ ንሃገርና ዘለና ዓምዩቕ ፍቕሪ ብተግባር እንገልፀሉ እዋን ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ከም ሃገር ብሓባር ጠንኪርና ደው ክንብል ይግበአና እውን ኢሎም።

ንመላእ ሰዓብቲ እቲ እምነት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኢትዮጵያውያን ዘለና ኩሉ ኣውፂእና ዝተምሃሩ ንዘይተምሃሩ፣ ዘለዎም ንዘይብሎም፣ ዝኽእሉ ንዘይኽእሉ፣ ዝተሓገዙ ንዘይተሓገዙ ኣካፊሎም ዘለናሉ ፈታኒ እዋን ምሕላፍ ከምዘለና ዓረፋ አምሂሩ ኢዩ ኢሎም።

መፃኢ እዋን ንሃገርና ደስታን በረከትን ንክኸውን ካብ በዓል ዓረፋ ዝረኸብናዮ ክብሪ ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ከም እንትግብሮም እተኣማመን ኢየ ክብሉ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.