Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ብሕልፈት ኣርቲስት ማዲንጎ ኣፈወርቅ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብሕልፈት ኣርቲስት ማዲንጎ ኣፈወርቅ ዝተሰመዖም መሪር ሓዘን ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መግለፂ ሓዘን÷ “ብሕልፈት ኣርቲስት ማዲንጎ ኣፈወርቅ ዝተሰመዐኒ ሓዘን ከቢድ ኢዩ” ኢሎም።

ኣርቲስት ማዲንጎ÷ ኣብ ንእሽተይ ዕድሚኡ ንሃገሩ ብዙሕ ዝሰርሐ ከያኒ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም፡፡

“ሃገር ኣብ ዝተደፈረትሉ እዋን ሕማሙ ክኢሉ ኣብ ግምባር ተረኺቡ ንሰራዊቱ ኣጀጊኑ ኢዩ፤ ሰልጠንቲ ኣበረታቲዑ ኢዩ” ኢሎም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፡፡

ነብሱ ብሰላም ክትዓርፍ እውን ተመኒዮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም http://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.