Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ህንፀት ዝርከብ ፋብሪካ ሲሚንቶ ለሚ ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ህንፀት ዝርከብ ፋብሪካ ሲሚንቶ ለሚ ዑደት ገይሮም።

ኣብቲ እዋን ዑደት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ሓዊሱ ሚኒስትር መዓድን ኢንጂነር ታከለ ኡማ፣ ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ተረኺቦም፡፡

ሚኒስትር መዓድን ኢንጂነር ታከለ ኡማ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሰር ገፆም ከምዝሓበሩዎ፥ ፀገማት ሃገራዊ ቀረብ ብዘላቕነት ምፍታሕ ዝከኣል ዓቕሚ ምፍራይ ብበዝሒ፣ ብፅሬትን ቅልጣፈን ምዕባይ እንትከኣል ኢዩ።

ቀረብ ኣቕርቦት ንኸዓቢ ድማ ብዓቕሚ መንግስቲ ካብ ዝሰርሑ ብተወሳኺ ዘፈር ውልቀ ብስፍሓት ምስታፍ ከምዝሓትት ኣገንዚቦም።

እቲ ፋብሪካ ኣብ ዓመት 5 ሚሊየን ቶን ሲሚንቶ ከፍሪ ዝኽል እንትኸውን፥ ህንፀቱ ኣብ 18 ኣዋርሕ ከምዝዛዘም ገሊፆም።

ተወሳኺ ፋብሪካታት ሲሚንቶ ኩባኒያታት ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ንኸኣትዉ ብምግባር ፀገም ቀረብ ሲሚንቶ ብዘላቕነት ንምፍታሕ ብትኹት ከምዝስራሕ ኣፍሊጦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.