Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣብ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ኢትዮጵያ ቀንዲ ቀንዲ ስራሕቲ ምምሕያሻት ምግባር ከምዝተኸኣለ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣከባቢ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ኢትዮጵያ ምቹው፣ ተወዳዳሪን ተመራፂን ንምግባር ተሓሲቡ ብዝተጣየሸ ብሄራዊ ኮሚቴ ኣቢሉ ቀንዲ ቀንዲ ስራሕቲ ምምሕያሽ ከምዝተገበረ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ከምዝፀሓፉዎ፥ ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ምምሕያሻት ቁልፊ ለውጢታት ሕጊን ምምሓዳርን ክምዝገቡ ከምዝኸኣሉ ኣፍሊጦም።

ከካብ ውሽጢ ዝተገበሩ ምምሕያሻት ድማ፥ መመሓየሺ ኣዋጅ ምዝገባን ንግዲ ፈቓድን 1150-2011ን ደምቢ 461 -2012ን፣ ኣብ ተንቀሳቓሲ ንብረት ዝተመርኮዘ መሰል ውሕስና ኣዋጅ 1147/2011ን መፈፀሚ መምርሒን፣ መምርሒ መጣየሺ ሓበሬታ ልቓሕ ቁፅሪ CRB-01-2012፣ መማሓየሺ ኣዋጅ ተወሳኺ እሴት ታክሲ ኣዋጅ ቁፅሪ 1157-2011፣ ኣዋጅ ኢንቨስትመንት ቁፅሪ 1180-2012ን ነቲ ኣዋጅ ንምፍፃም ዝተዳለወ ረቂቕ ደምቢን ከምዝርከቡዎ ኣብሪሆም።

ብተወሳኺ ኣዋጅ ዕድጊት ንግዲ ኤሌክትሮኒክስ፣ ሓዱሽ ሕጊ ንግዲ (ብቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ዝፀደቐ)፣ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝተውሃቡ ውሳነታት ዳይነት ግልግል ኣፍልጦ ንመሃብን ስምምዕነት ኣፈፃፅማን ንምፅዳቕ ዝወፅአ ኣዋጅ ቁፅሪ 1184-2012 ዳይነት ግልግልን ኣሰራርሓ ዕርቂ ንምድንጋግ ዝተዳለወ ረቂቕ ኣዋጅን ከምዝርከቡዎ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.