Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ዲጂታል ቴሌቶን ”ንፁህ ጎደና ናብራ ብጥዕና” ንዝተሳተፉ ኣካላት ኣመሰጊኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ 20፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዲጂታል ቴሌቶን ”ንፁህ ጎደና ናብራ ብጥዕና” ንዝተሳተፉ ኣካላት ኩሎም ምስጋና ኣቕሪቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ÷ ”ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዲጂታል ቴሌቶን ‘ንፁህ ጎደና ናብራ ብጥዕና‘ ተሳትፎ ዝገበርኩም ኩሉኹም ምስጋና ከቕርብ ይደሊ” ኢሎም፡፡

“ንሓራዊ ረብሓ ብሓባር ጠጠው እንትንብል ኣደነቕቲ ንኸውን” ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)÷ “ብሓባር ትርጉም ዘለዎ ሰናይ ፅዕንቶ ክንፈጥር ንኽእል ኢና” ክብሉ ኣገንዚቦም፡፡

ክሳብ ሕዚ ኣብ ቴሌቶን #ንፅህቲኢትዮጵያ ዘይተሳተፉ እውን ሎሚ መዓልቲ  ኣብ ዝተረፉ ሰዓታት፣ ዝቕፅሉ መዓልቲታትን ሰሙናትን ንኽፅምበሩ ፀዊዖም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.