Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም 2020 ብምዃኑ ሓጎሶም ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር  ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም 2020 ብምዃኑ መልእኽቲ እንኳዕ ኣሐጎሰኩም ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ “ሮግራም ምግቢ ዓለም ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም 2020 ስለዝኾነ ንሮግራም ምግቢ ዓለምን ንዋና ዳይሬክተር እቲ ፕሮግራም ዴቪድ ቤስሌይን ልባዊ ሓጎሰይ ይገልፅ” ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ተዓዋቲ እቲ ሽልማት ክኸውን ዝኸኣለ ጥሜት ንምንካይ ብዝገበሮ ቃልሲ ከምዝኾነ ይፍለጥ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም ዝሓለፈ ዓመት ከምዝነበሩ ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.