Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ዶክተር ኣቢይ ምስ ኣባላት ማሕበር ሰብ ታክሲ ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሬኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኣባላት ማሕበር ሰብ ታክሲ ኣዲስ ኣበባ ተዛትዮም።

እቶም ኣባላት፥ ቅድሚ እቲ ዘተ ኣብ ፕሮጀክት ምውቃብ ሸገርን ኣብ እንጦጦ እናተሳለጡ ዝርከቡ ስራሕቲን ሓዊሱ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየዱ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት ዑደት ኣሳሊጦም ኢዮም።

እቶም ዝተጀመሩ ስራሕቲ ፕሮጀክታት ልምዓት፥ ብኢንቨስትመንት ኣቢሎም ክስፋሕፍሑ ዝኽእሉ ሃፍቲ ወለዶ ምዃኖም ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ተዛሪቦም።

ወሃብቲ ግልጋሎት መጓዓዝያ ምስ ዝፈላለዩ ሰባት ብዝገብሩዎ ርክብ ዝተልዓለ፥ ኣብ ምንቅስቓስ ቱሪዝምን ፍሰት ኢንቨስትመን ርኡይ ግደ ከምዘለዎም ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሃበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.