Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ዶ/ር ኣቢይ ብቫይረስኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ናብ ዘለውዎ ሆስፒታል ብምኻድ ነቶም ሕሙማት ኣበረታቲዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ኢንጂነር ታከለ ኡማን ብምዃን ብቫይረስኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ናብ ዘለውዎ ሆስፒታል ኤካ ኮተቤ ብኣካል ብምኻድ ነቶም ሕሙማትን ሰብ ሞያ ጥዕናን ኣበረታቲዖም።

እቶም መራሕቲ ኣብቲ ሆስፒታል ንሕሙማት ንዘገልግሉ ዘለዉ ሰብ ሞያ ጥዕና ዝተፈላለዩ ህያባት ከምዘበርከቱ እውን ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ኣብ ከባቢ ኣራት ኪሎ ንዝነብራ ኣረጋውያን ደቂ ኣኒስቲዮ ከምኡ እውን ኣብ መዕበዪ ህፃናት ክበበ ፀሓይን ኣፍንጫ በርን ንዝርከቡ ህፃናትን ንበዓል ፋሲካ ዝኸውን ውህብቶ ኣበርኪቶም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ዘለናሉ እዋን ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ኣካላዊ ርሕቐትና ብምሕላው ማሕበራዊ ምድግጋፍናን ምትሕብባርናን እነጠናኽረሉ ኢዩ ክብሉ ኣብ ፌስ ቡክ ገፅ ፅሒፎም።

ዝኸፍአ ፀገም ንዝበፅሖም ወገናት ብምድጋፍ ናይ ሓባር መከራና ብሓባር እንብደሀሉ እዋን ኢዩ እውን ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.