Fana: At a Speed of Life!

ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ፣ መሰል ህዝቢታት ረጊፅካ ምንባር ከምዘይከኣል ህያው ኣብነት ከኸውን ዝበቕዐ ኢዩ-ዶክተር ደብረፂዮን

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ፣ መሰል ህዝቢታት ረጊፅካ ምንባር ከምዘይከኣል ህያው ኣብነት ከኸውን ዝበቕዐ ኢዩ ክብሉ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፂዮን ገብረሚካኤል ገሊፆም።

ዶክተር ደብረፂዮን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፆምዘሕለፍዎ መልእኽቲ ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።

ህዝቢ ትግራይ ሀ ኢሉ ኣንፃር መግዛእቲን፣ወፅዓን ዓፈናን ቃልሲ እንትጅምር እንተሎ፣ ዴሞክራሲያዊትን ዜጋታት ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ማዕረ ናይ ምውሳን መሰል ዝተረጋገፀላ፣ ኣብ ልምዓት ብፃዕሮም ልክዕ ፍትሓዊ ተጠቀምቲ ዝኾኑላ፥ ካብ ዕብለላን ሌላን ጉሌላን ሓራ ዝኾነት ከምኡ’ውን ርትዒን ፍትሕን ዝነገሰላ ዓዲ ንምህናፅ’ዩ ነይሩ።

ስለዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ቅኑዕ መስመሩ ዓሲሉ፣ ማእለያ ዘይብሎም መስገደላት ሰጊሩ፣ ኣዝዩ ከቢድ መስዋእቲን መድመይቲን ከፊሉ ፀሓይ ውፅዓት ኣብሪቑ’ዩ። ኣብ ናይ ዓለም ናይ ህዝቢታት ቃልሲ ከኣ ህዝቢ ትግራይ ዘካየዶ ቃልሲ፥ ንፍትሒን ማዕርነትን ዝተኻየደን ወርቃዊ ገድሊ ምዃኑ ዘመስከረ፣ ናይ ህዝቢታት መሰል ረጊፅካ ምንባር ከምዘይከኣል ህያው ኣብነት ዝኾነ ድሙቕ ታሪክ ክኸውን ዝበቅዐ ተጋድሎ’ዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.