Fana: At a Speed of Life!

ቅነ ዲጂታል ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቅነ ዲጂታል ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ።

እቲ ቅነ፥ ሓበራዊ ፃዕርና ንዲጂታል ኢትዮጵያና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ይካየድ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ይሽሩን ኣለማየሁ (ዶ/ር)፥ ለዕሊ 526 ኣገልግሎታት መንገስቲ ብኤሌክትሮኒክስ ኣቢልካ ንማሕበረሰብ ተበፃሒ ምግባር ከምዝተኽኣለ ተዛሪቦም።

ሎሚ መዓልቲ እውን ጉዕዞ ስትራቴጂ ፍርቂ ዘበን ዲጂታል ኢትዮጵያን ስራሕቲ ኤሌክትሪክ መንግስቲን ምቕራቦም ሓቢሮም።

ኣብ ቀፀልቲ መዓልታት፥ ፖሊሲ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ሳይንስ፣ ወረዳኔት፣ ስትራቴጂ ኢ-ኮሜርስ፣ ሓለዋ ውልቀ ዳታ፣ ስትራቴጂ ኤሌክትሮኒክ መንግስቲ፣ ኣርክቴክቸር ኢንተርፕራይዝ መንግስቲ፣ ኣዋጅ ኤሌክትሮኒክ ትራንዛክሽን፣ ማእኸል ብሔራዊ ዳታ፣ ምምሕዳር ዳታ ሓዊሱ ካልኦት ርእሰ ጉዳያት ብዝምልከት ዘተ ከምዝግበረሎም ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.