Fana: At a Speed of Life!

በዓላት ስቕለትን ትንሳኤን ብሰላም ንኽኽበሩ ምድላው ዛዚሙ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ሚያዝያ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓላት ስቕለትን ትንሳኤን ብሰላም ንኽኽበሩ ኣድላዪ ምድላው ዛዚሙ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ።

በዓላት እንትቃረቡ ካብ ወትሩ ብዝተፈለየ ምንቅስቓስ እግረኛታትን ተሽከርከርቲን ከምዝስተውዓል ዝገለፀ እቲ ግብረ ሓይሊ፥ ነቲ ምቅስቓስ ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ገበናት ከይፍፀሙን ሓደጋ ትራፊክ ከየጋጥምን ትካላት ፀፅታ ሙሉእ ሓይሊ ሰበን ኣብ ስራሕ ብምውፋር ትኹረት ሂበን ዝሰርሓሉ እዋን ከምዝኾነ ገሊፁ።

ኣብ እዋን በዓላት ስቕለጥን ትንሳኤን እዚ ዓመት ይኹን ቅድሚ እቶም በዓላት ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ብፍላይ ዕዳጋታት፣ መዘናግዒ ቦታታትን ትካላት እምነትን ፍፁም ሰላማዊ ዝኾነ ሃዋህው ፀፅታ ንኽህሉ፥ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ትፅቢት ዝግበረሉ ሓላፍነት ንምውፃእ ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ዛዚሙ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ኣፍሊጡ፡፡

ዝሐሸ ፍሰት ትራፊክ ንኽህሉን ሓደጋ ትራፊክ ከየጋጥምን ፖላዊስን ካልኦት ተቖፃፀርቲ ትራፊክን ዘሳልጡዎ ተግባር ሕብረተሰብ ክድግፎ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቡ፡፡

ሰቲኻ ብዘይ ምሽክርካር፣ ንማሕረዲ ዝኾና እንስሳት ኣብ መገዲ ተሸከርከርቲ ብዘይምኹብካብ ከምኡ እውን ግቡእ መምርሒ ትራፊክ ኣኽቢርካ ብምጉዓዝን ንፍሰት ትራፊክ ዕንቅፋት ካብ ዝኾኑ ምንቅስቓሳት ብምርሓቕ ኣሽከርከርቲ ይኹኑ እግረኛታት ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ከምዝግባእ ገሊፁ።

ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን፥ ኣብ ዕዳጋ፣ ትራንስፖርትን ካልኦት ምንቅስቓስ ህዝቢ ኣብ ዝበዝሐሎም ከባቢታትን ኣጋጣሚ ብምጥቃም ገበን ንምፍፃም ዝንቀሳቐሱ ውልቀሰባት ከምዝህልዉ ብምግንዛብ ግቡእ ስራሕቲ ምክልኻል ከምዝገብር ብምሕባር ሕብረተሰብ እውን ግቡእ ጥንቃቐ ንኽገብር ኣተሓሳሲቡ፡፡

እቲ በዓል ናይ ሰላምን ደስታን በዓል ኮይኑ ንኸሓልፍን ተኸተትልቲ እቲ እምነት ብዘይ ዝኾነ ይኹን ስግኣት ፀፅታ ንኸኽብሩን፥ ንሰላም ዕንቅፋት ዝኾኑ ኣጠራጠርቲ ነገራት እንትዕዘቡ ብቁፅሪ ስልኪ 011-1-26-43-59 ፣ 011-5-52-63-02/03፣ 011-5-52-40-77፣ 011-5-54-36-78 ን 011-5-54-36-81 ከምኡ እውን ብናፃ መስመር 987፣ 991 ን 816 ሓሬታ ብመሃብን ኣድላዪ ምትሕብባር ብምግባርን ግደኦም ኽዋፅኡ እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፃውዒቱ ኣቕሪቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.