Fana: At a Speed of Life!

በዓላት ዓርቢ ስቕለትን ፋሲካን ብሰላም ንክኽበሩ ዘኽእል ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ብምግባር ናብ ስራሕ ምእታዉ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሚያዚያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓላት ዓርቢ ስቕለትን ፋሲካን ብሰላም ንክኽበሩ ዘኽእል ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ብምግባር ናብ ስራሕ ምእታዉ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ።

ኣብ መአከቢ ኣዳራሽ ኣዲስ ኣበባ መላእ ኣካላት ፀፅታ ዘሳተፈ ዘተ ተገይሩ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ኣብ ተግባራት ኣፈፃፅማ እዋናዊ ኩነታት ፀፅታን ስሩዕ ምክልኻል ገበንን ዘድሃበ መብርሂ ተዋሂቡ።

ምስ ምኽባር በዓላት ዝተዛመደ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ስግኣት ዝረኣዩ ፀገማት ቀዲምካ ብምልላይ ኣብ ቀፃሊ ክካየዱ ዝግበኦም ዛዕባታት በዝምልከት ኣንፈታት ተነፂሮም።

ምክትል ኮሚሽነር ጀኔራል ላዕለዋይ መምርሒ ምክልኻል ገበን ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ መላኩ ፈንታ፥ ኣብ ልዕሊ ፅንፈኛ ጉጅለታት ይውሰድ ምስ ዘሎ ስጉምቲ ጎኒ ንጎኒ በዓላት ዓርቢ ስቕለትን ፋሲካን ብሰላም ንክኽበሩ ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ብምግባር ናብ ስራሕ ምእታዉ ኣፍሊጦም።

ኣብቶም በዓላት ዝህልዉ ምንቅስቓሳት ሰብን ተሽከርካሪን ተሓሳቢ ዝገበረ ቅድመ ምክልኻል ገበንን ሓደጋ ትራፊክን ጠመተ ብምሃብ ከምዝስራሕ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.