Fana: At a Speed of Life!

በዓላት ዳሜራን ኢሬቻን ክብሮም ሓሊዮም ንኽኽበሩ መናእሰይ ናይ ባዕሎም ግደ ክዋፅኡ ይግባእ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓላት ዳሜራን ኢሬቻን ሃይማኖታዊን ባህላዊን ክብሮም ሓሊዮም ብሰላም ንኽኽበሩ መናእሰይ ናይ ባዕሎም ግደ ክዋፅኡ ከምዝግባእ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ፀዊዐን።

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣዲስ ኣበባ ኣይተ መለስ ኣለሙን÷ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት፣ ኣከባብራ በዓላት ዳሜራን ኢሬቻን ኣመልኪቶም ካብ ኩለን ክፍለ ከተማታት ምስ ዝተውፃእፅኡ መናእሰይ ተዘቲዮም።

በዓላት ዳሜራን ኢሬቻን ሃይማኖታዊን ባህላዊን ክብሮም ሓሊዮም ብሰላም ንኽኽበሩ ግደ መናእሰይ ዕዙዝ ከምዝኾ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ እዋን ዘተ ገሊፀን።

መናእሰይ ምስ ኣካላት ፀፅታ ተዋዲዶም ብምስራሕ በዓላት ዳሜራን ኢሬቻን ኢትዮጵያዊ ጭዋነትን ሃይማኖታዊ ክብሪን ብዝሓለወ መልክዑ ዓለም ለኸ ፅዕንቶ ብምፅዋር ምኽባር ከምዝከኣል ብተግባር ምርኣይ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚበን።

ፀላእቲ ዝመፅኡሉ መገዲ ምፍላጥን እኩይ ተግባር ተለኣኣኽቱ ግብረ ራዕዲ ህወሓትን ሸኔን ምርዳእ ከምዝግባእን ኣመልኪተን፡፡

እቶም ግብረ ራዕዳውያን በዓላት መስቀልን ኢሬቻን ብሰላም ከይኽበሩ ዝገብሩዎ ናይ ጥፍኣት ምንቅስቓስ ምስ ኣካላት ፀፅታ ብምውዳድ ምቅላዕ ከምዝግባእን እቶም በዓላት ሃይማኖታዊን ህዝባዊን መሰረቶም ሓሊዮም ብሰላም ክኽበሩ ንምግባር መናእሰይ ግደኦም ክፃወቱ ይግባእ ኢለን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.