Fana: At a Speed of Life!

በዓል መስቀል ብተኸተልቲ እምነት ክርስትና ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መስቀል ብመላእ ኢትዮጵያውያን ተኸተልቲ እምነት ክርስትና እናተኸበረ ይርከብ።

ትማሊ ዕለት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እትዮጵያ ስነ-ስርዓት ዳሜራ ብድሙቕ ኩነታት ብሃይማኖታዊ ስርዓቱ ተሳሊጡ ኢዩ፡፡

ሎሚ መዓልቲ ድማ በዓል መስቀል ብመላእ ኢትዮጵያውያን ተኸተልቲ እምነት ክርስትና እናተኸበረ ይርከብ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) በዓል መስቀልን ዳሜራን ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ዳሜራ ሓቀኛ መስቀል ዝተረኸበሉ ሓባሪ ኮምፓስ ኢዩ፤ ንዕቤትን ምዕባለን ንሃገርና ብሓድነት ጠጠው ንኽንብል ኣብነት ኢዩ፤ ዳሜራ ኣንፈት ኢዩ፤ ሓቀኛ መስቀል ዝተፈለየሉ” ኢሎም፡፡

ኢትዮጵያ እውን ደቃ ጠጠው ዝብሉሉን ዝኸዱሉን ሓቀኛ ኣንፈት ንተስፋኣ ብርሃን፣ ንጥንካረኣ ኣሰር ዝኾና ኢዩ” ኢሎም፡፡

እቲ በዓል ኣመልኪቱ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ብተወካሊኦም መካየዲ ስራሕ ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ሊቀቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ባሕር ዳርን ብፁዕ ኣቡነ ኣብረሃም ኣቢሎም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ መስቀል ድሕነት ዝህብ ከምኡ እውን ሰላም፣ ፍቕሪ፣ ሓድነት ዝስበኸሉ በዓል ከምዝኾነ ገሊፆም።

ምእመናን ኣስተምህሮ መስቀል ብምኽታል ተምሳሌት ፍቕሪ ዝኾነ በዓል ብሕብረትን ሓድነትን ከኽብሩዎ ከምዝግባእ ብፁእነቶም ኣገንዚቦም።

ምልክት መስቀል ኣብ ዝኾኑ ሰላም፣ ፍቕሪ፣ ምርድዳእት፣ ሓድነትን ይቕሬታን ምንባር ከምዘድሊ እውን ገሊፆም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.