Fana: At a Speed of Life!

በዓል መስቀል ብድምቀት ንምኸባር ምድላው ከምዝተዛዘመ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝቕፅል በዓል መስቀል ብድምቀት ንምኸባር ምድላው ከምዝተዛዘመ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ኣፍሊጣ።

እታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቀፃሊ ንዝኽበር በዓል መስቀል ምኽንያት ብምግባር ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ መልእኽቲ እንኳ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፋ፡፡

ምክትል መካየደዲ ስራሕ ላዕለዋይ ቤተ ክህነት እታ ቤተ ክርስቲያን ቀሲስ በላይ መኮንን፥ ምእመናን በዓል ዳሜራ መስቀል በዓል እንተኽብሩ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ብምክልኻል ክኸውን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡

በዓል መስቀል ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝበለፀ ጥንቃቐ ኮቪድ-19 ብምውሳድ ማሕበረሰብ ኣብ ዝተረኸበሉ ብድምቀት ከምዝኽበር እቶም ምክትል ፀሓፊ ገሊፆም፡፡

ህንፀት ኣደባባይ መስቀል ተዛዚሙ ብዝፀበቐ መልክዑ ዝኽረሉ እዋን ምዃኑ በዓል መስቀል እዚ ዓመት ፍሉይ ከምዝገብሮን ነዚ ድማ መንግስቲ ምስጋና ከምዝግበኦን ተዛሪቦም፡፡

በዓል መስቀል ኣብ ዩኔስኮ ዘይድህሰሱ ሓድጊታት ዓለም ምምዝጋቡ ብምዝኽኻር፥ እቲ በዓል ኣብ ዝተፈላለዩ እንትኽበር ብሰላም፣ ብፍቕሪን ምትሕስሳብን ክኽውን ይግባእ ኢሎም፡፡

ብቅድስት ተስፋዬ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.