Fana: At a Speed of Life!

በዓል መስቀል እንትነኽብር ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ደጀንነትና ኣጠናኺርና ብምቕፃል ክኸውን ይግባእ-ርእሰ ምምሕዳር ይልቃል ከፋለ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መስቀል እንትነኽብር ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ደጀንነትና ኣጠናኺርና ብምቕፃል ክኸውን ይግባእ ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ይልቃል ከፋለ ተዛሪቦም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ንበዓል መስቀል እንኳ ኣብፀሐኩም ኢሎም።

ኣብ መልእኽቶም፥ በዓል መስቀል ባህላዊ ክብሪ ህዝብታት ሃገርና ብምዃን ብዙሕ ዓመታት ኣቑፂሩ ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ ንህዝብታት ኢትዮጵያ ባህላዊ ቅርስን ውርስን ከምዝኾነ ኣዘኻኺሮም።

መስቀል ምልክት ብሩህ ተስፋ፣ በርሃንን ዓወትን ምዃኑ ብምግላፅ፥ ደመራ ድማ መርኣያ ሓድነትን ሕብረተን ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ ከም ሃገር ዘጋጠሙና ፀገማት ብሓባር ተቓሊስና ክንዕወት እንኽአል ብሓድነትን መትሕብባርን ደው ምባል እንትንክእል ምዃኑ ከንርዳእ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም።

በዓል መስቀል እንትነኽብር ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ደጀንነትና ኣጠናኺርና ብምቕፃል ክኸውን ከምዝግባእ እውን -ርእሰ ምምሕዳር ይልቃል ከፋለ ሓቢሮም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ ብግደኦም፥ መስቀል ኣምላኽ ንደቂ ሰባት ዘለዎ ፍቕሪ ዘርኣየሉ፣ ይቕሬታ ዝገበረሉ ዓብዪ ክብረ በዓል ከምዝኾነ ተዛረቦም።

ስለዝኾነ እቲ በዓል አንትነኽብር፥ ብሓባር ምትእኽኻብ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ኣከባብራ ባህልናን ክብሪታትናን ዝደምቀሉ ክኸውን ከምዝግባእ ሓቢሮም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ኡሞድ ኡጁሉ፥ ህዝበ ክርስቲያን እቲ በዓል እንተኽብር ክብሪታቱ ሓሊዩ ዝተፀገሙ ወገናት ብምሕጋዝ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.