Fana: At a Speed of Life!

በዓል መዚ መገዲታት ኢትዮጵያ ብ25 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር 15 ስምምዓት ህንፀት መገዲ ተፈራሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)በዓል መዚ መገዲታት ኢትዮጵያ ብ25 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር 15 ስምምዓት ህንፀት መገዲ ምስ ዝተፈላለዩ ኮንትራክተራት ተፈራሪሙ።

እቶም 1 ሺሕን 22 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎም መገዲታት፥ ብዘይካ ሓደ ፅገናን ሓደ ፀፀር መገዲን ዝተረፉ ኩሎም ብብርኪ ኣስፋልት ዝስርሑ ኢዮም ተባሂሉ።

እቶም መገዲታት ሰሪሕኻ ንምዝዛም ከከም ኩነታት እቶም መገዲታት ካብ ሓደ ክሳብ ኣርባዕተ ዓመት ዝወስዱ ኢዮም ተባሂሉ።

ነቲ መገዲ ዘድሊ ወፃኢ ኩሉ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሽፈን እንትኸውን፥ ነቲ መገዲ ንምህናፅ ክታሞም ካብ ዘንበሩ 11 ኮንትራክተራት እቶም 7 ናይ ውሽጢ ዓዲ ኢዮም ተባሂሎም።

እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ዝህነፁ መገዲታት ብናይ ህዝቢ ናይ ነዊሕ እዋን ሕቶ መሰረት ዝህነፁ ዘለዉ ኢዮም ተባሂሉ።

ብትዝታ ደሳለኝ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.