Fana: At a Speed of Life!

በዓል መዚ ሲቪል ኣቪዬሽን ኣብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እቲ በጀት ዓመት ን214 ሰብ ሞያታት ሓዱሽ ፍቓድ መረጋገፂ ብቕዓት ሞያ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ለካቲት፣ 2013 (ኤ.ቢ.ሲ)በዓል መዚ ሲቪል ኣቪዬሽን ኣብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እቲ በጀት ዓመት ን214 ሰብ ሞያታት ሓዱሽ ፍቓድ መረጋገፂ ብቕዓት ሞያ ምሃቡ ተገሊፁ።

ዳይሬክተር ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን እቲ በዓል መዚ ኣይተ ኣንሙት ለማ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ ቤት ዕዮ እቲ በዓል መዚ ኣብ መንፈቕ ዓመት ካብ ሞንጎ ዝሃቦም ሓዱሽ መረጋገፂ ብቕዓት 154 ዝኾኑ ንኣብረርቲ ኣውሮፕላናት፤ 60 ዝኸውን ድማ ንቴክኒሻናት ኣውሮፕላን ኢዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ድማ በዓል ቤት ዕዮ እቲ መዚ ን2 ሺሕን 857 ሰብ ሞያታት ምሕዳስ ፍቓድ ምግባሩ ተገሊፁ።

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ድማ 2 ሺሕን 156 ዝኾኑ ኣብረርቲ ኣውሮፕላናት እንትኾኑ፥ 701 ድማ ንቴክኒሻናት ኣውሮፕላን ከምዝኾነ ተፈሊጡ።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ን4 ሺሕን 250 ናይ ምትእንጋድ በረራ ሰራሕተኛታት ምሕዳስ ሰርተፊኬት መረጋገፂ ብቕዓት ከምዝሃበ እቶም ዳይሬክተር ገሊፆም።

ብታሪኽ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.