Fana: At a Speed of Life!

በዓል ቤት እናተመዝገቡ ናይ ዝርከቡ ዓወታት ህዝቢ ኢዩ – ብርጋዴል ጀነራል ኣለሙ ኣየነ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ቤት እናተመዝገቡ ናይ ዝርከቡ ዓወታት ህዝቢ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ምክትል ኣዛዚ እዚ ደቡብ ብርጋዴል ጀነራል ኣለሙ ኣየነ ገሊፆም።

ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ እናተሳተፈሉ ዝርከብ ወፍሪ ህልውና፥ ዘንፀባርቑ ወታት እናመዝገበ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።

እዞም ዓወታት ንኽመፅኡ ድማ ህዝቢ እናገበሮ ዝርከብ ኣስተዋፅኦ ብዓይነትን ብገንዘብን ጥራሕ ዝግለፅ ኣይኮነን፤ ደቁ እውን መሪቑ ናብ ሰራዊት ምክልኻል ይልእኽ ኣሎ ኢሎም፡፡

ወረዳታት ጊንባ ቀስታን ንጋቦን ኣብ ግምባር ደላንታ ብምርካብ 725 ሺሕ ብር ግምት ዘለዎም እንስሳት ንሰራዊት ምክልኻል ሓገዝ ገይሮም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ጁንታ ቀስሙ ተሰይሩ እናፈረሰ ስለዝኾነ፥ ተስፋ ብምቑራፅ ዝገብሮ ኣይፍለጥን እሞ ሕብረተሰብ ምስ ሓይሊ ፀፅታ ብምውዳድ ከባቢኡ ብንቕሓት ክሕሉ ይግባእ ምባሎም እቶም ኣዛዚ ኣገንዚቦም።

ብእሸቱ ወ/ሚካኤልን ሃብታሙ ተ/ስላሴን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.