Fana: At a Speed of Life!

በዓል ብርሃነ መስቀል ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣17 መስከረም፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ብርሃነ መስቀል ብተኸተልቲ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ተኸቢሩ ውዒሉ።

በዓል ስነ-ስርዓት ዳሜራ በቶም ኣመንቲ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተኸበረ እንትኸውን፥ ኣብ ትግራይ ኣብ መቐለ ጎቦ ጮምዓ፣ ኣብ ዓዲግራት ድማ ካብ ጎቦ ቃን ዳዕሮ ናብ ፒያሳ ሽግ ብምውላዕ ተኸቢሩ ኢዩ።

ሎሚ መዓልቲ እውን በዓል መስቀል ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ተኸቢሩ ውዒሉ ኣሎ።

ቅድሚ ሕዚ ብተኸተልቲ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ተኣኻኺብካ ብድምቀት ዝኽበር ዝነበረ በዓል መስቀል፥ ሎሚ ዓመት ብምኽንያት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ብውሑዳት ሰባት ጥንቃቐ ብዝተመልኦ መገዲ ንክኽበር ተገይሩ ኢዩ።

ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ኣብ ምኽር በዓል ዳሜራ ተረኺቦም ከምዝበሉዎ፥ “መስቀል ብዝረኣና ቁፅሪ እግዚኣብሄር ናዓና ዘለዎ ፍቕሪ ንዝክረሉን ፍቕሩ፣ መድሓኒትነቱ፣ ሓድነቱን ሰላሙን ንረኽበሉ ምዃኑ ምግንዛብ ይግባእ ኢሎም።

“ትርጉም መስቀል እንተፈሊጥና ሰላምን ሓድነትን ንረክብ ናብ ሰላምን ልምዓትን እምበር ናብ ጥፍኣት ኣይነትኩርን” ክብሉ እውን ገሊፆም።

በዓል መስቀል ሎሚ መዓልቲ ኣብ ትግራይ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ስታዲየም ወልዋሎ ብድሙቕ ኩነታት ተኸቢሩ ውዒሉ ኢዩ።

 

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ኣከባብራ ላዕለዎት ሓለፍቲ ክልል፣ መራሕቲ ሃይማኖታት፣ ዕዱማት ኣጋይሽን ነበረቲ እ ከተማን ተረኺቦም።

አብቲ ስነ ሰርዓት ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ሃገረ ስብከት ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣቡነ መርሃ ክርስቶስ ከምዝበልዎ፥ በዓል መስቀል እዚ ዓመት ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ፍልይ ዘብሎ ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ንድሕንነት ሕብረተሰብ ክበሃል ብውሱን ተሳተፍቲ ጥራሕ ክኽበር ተገይሩ እዩ።

ሕብተረተሰብ እውን በዓል መስቀል ዓጋመ ሃይማኖታዊ ትሕዝትኡ ሒዙ ንክኸይድ ኣብ ገዝኡ ኮይኑ እናኽበሮ ምዃኑ ገሊፆም።

እቲ በዓል ኣብ መላእ ትግራይ ሓዊሱ ኣብ ኩሉ ክፋል ኢትዮጵያ ብድሙቕ ኩነታት ተኸቢሩ ውዒሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.