Fana: At a Speed of Life!

በዓል ኢሬቻ ካብ ሎሚ መዓቲ ጀሚሩ ክብሪታቱ ብዝሓለወ መልክዑ ብድምቀት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ሎሚ መዓቲ ጀሚሩ ይኽበር ኣሎ – ዶ/ር ሂሩት ካሳው

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ኢሬቻ ካብ ሎሚ መዓቲ ጀሚሩ ክብሪታቱ ብዝሓለወ መልክዑ ብድምቀት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ሎሚ መዓቲ ጀሚሩ እናተኸበረ ከምዝርከብ ቢሮ ባህሊን ቱሪዝምን ኣዲስ ገሊፁ።

ሓላፊት እቲ ቢሮ ዶክተር ሂሩት ካሳው ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ÷ እቲ በዓል ክብሪታቱ ሓሊዩ ብሰላምን ብድምቀትን ንኽኽበር እቲ ምምሕዳር ምድላዋት እናገበረ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማታት ዝርከባ ወረዳታት ፓናል ምይይጥ ከምዝተኻየዱ ዝገለፃ ዶክተር ሂሩት÷ ሕብረተሰብ ነቲ በዓል ዝልዩ ክዳውንቲ፣ ገይፀመይፂን ምግቢን ሓዊሱ እታወታት እቲ በዓል ብቐሊሉ ንኽረክብ ዘኽእል ባዛር ከምዝተኸፈተ ተዛሪበን።

ፅባሕ ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማታት ፓናል ዘተ ከምዝካየድን ዓርቢ ድማ ከም ምምሕዳር ከተማን ክልል ኦሮሚያን ብምትሕብባርን መድረኽ ዘተ ከምዝካየድ ኣብሪሀን፡፡

እቲ በዓል ንምኽባር ናብታ ከተማ ዝኣትዉ ኣጋይሽ ንምቕባል ኣብ ሓሙሽቲአን በሪታት እታ ከተማ ምድላው ከምዝተገበረ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ቱሪዝም ውሽጢ ሃገር ንምስፍሕፋሕ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ገሊፀን።

በዓል ኢሬቻ እዚ ዓመት “ኢሬቻ ንሰላምን ሕውነትን” ብዝብል መሪሕ ቃል ከምዝኽበር ምግላፀን ካብ ቤት ፅሐፍት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም http://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.