Fana: At a Speed of Life!

በዓል ኣሸንዳ ኣብ ሚሌኒየም ኣዳራሽ ኣዲስ ኣበባ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ኣሸንዳ ኣብ ሚሌኒየም ኣዳራሽ ኣዲስ ኣበባ ይኽበር ከምዘሎ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ።

በዓል ኣሸንዳ መግለፂ ሓድነትን ምትሕብባርን ህዝብታት ኢዩ ዝበለ እቲ ምምሕዳር፥ መርኣያ ፍቕሪን ሰላምን ዝኾነ እቲ በዓል ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነሽ ኣበቤ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሰብ መዚ እታ ከተማ ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽበር ከምዘሎ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ምምሕዳር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ንበዓል ኣሸንዳ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኢሉ።

በዓል ኣሸንዳ/ማሪያ 16 ነሓሰ ኣብ መብዛሕቲአን ከተማታትን ገፀር ወረዳታትን ትግራይ ዝኽበር ሃይማኖታዊን ባህላዊን በዓል እንትኸውን፥ ዓይኒ ዋሪ ድማ 24 ነሓሰ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ዝኽበር ኢዩ።

ዓይኒ ዋሪ፥ ካብ ዝተፈላለያ ወረዳታት ማእኸላይ ዞባ ዝመፅኣ ጎራዙ ሓዊሱ ደቂ ኣንስትዮ ከተማ ኣኽሱም ደሚቐን ዝውዕላሉን ባህለን ዝዕቅባሉን ብዓል’ዩ።

ብመሰረት እዚ ዓይኒ ዋሪ ኣብ ህዝቢ ፍቕሪን ሓድነትን ንክህሉ ካብ ዝህቦ ረብሓ ብተወሳኺ ንመስሕብ ቱሪዝም ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ይግለፅ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.