Fana: At a Speed of Life!

በዓል ኣሸንዳ ካብ ሃይማኖታዊን ባህላዊን ክብርታቱ ብተወሳኺ ሓድነትና እነጠናኽረሉን ቁጠባዊ ዓቕሚ እንፈጥረሉን ኢዩ – ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ኣሸንዳ እንዘኹዕ ሃይማኖታዊን ባህላዊን ትውፊት ጥራሕ ዘይኮነስ ሓድነት ዝጠናኽረሉን ዓብይ ቁጠባዊ ዓቕሚ ዝፍጠረሉን ክኸውን ከምዝግባእ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር እዚ ዝበሉ÷ “ኣሸንዳ 2015 ዓ.ም ንሰላም፣ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝተሰናደአ መድረኽ ዘተ ብምርካብ እዩ።

ኣይተ ጌታቸው ረዳ÷ “ባህልታትና እናዓቀብና ፣ ሙሉእ ሰላም ትግራይ ንምርግጋፅን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንምምላስን ይስራሕ ኣሎ” ክብሉ ገሊፆም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ÷ “ክብርታት ኣሸንዳ ብመንፅር ፍትሕን ሰነ-ልቦናዊ ሕውየትን” ብዝብል ርእሲ ሰለስተ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም ምይይጥ ከምዝተገበረሎም ካብ ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.