Fana: At a Speed of Life!

በዓል ዋና ሙለር ሪልስቴት ኣይተ ሙሉጌታ ተስፋኪሮስ ብገበን ሙስና ተጠርጢሮም ሓዱሽ መዝገብ ምርመራ ተኸፊቱዎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ዋና ሙለር ሪልስቴት ኣይተ ሙሉጌታ ተስፋኪሮስ ብገበን ሙስና ተጠርጢሮም ሓዱሽ መዝገብ ምርመራ ተኸፊቱዎም።

እቶም ተጠርጣሪ በዝተኸፈተሎም መዝገብ ምርመራ ቀፃሊ ዕለተ ሰኑይ 19 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እቲ ጉዳዮም ክርአ ኢዩ ተባሂሉ።

ቤት ፍርዲ በዓል ዋና ሙለር ሪልስቴት ኣይተ ሙሉጌታ ተስፋኪሮስ ብ100 ሺሕ ብር ዋሕስ ንክወፅኡ ፈቒዲ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ ትሕቲ ናቶም መዝገብ ዘለዉ ክልተ ተጠርጠርቲ ድማ 30 ሺሕ ብር ዋሕስ ብምትሓዝ ንክወፅኡ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ኣራዳ ምድብ መጋባእያ ጊዘ ቆፀሮ ኣዚዙ ዝነበረ እንትኾን፥ ይኹን እንበር ቢሮ ምርመራ ገበን ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ይግባይ ሓቲቱ ኣሎ።

እቶም ተጠርጠርቲ ፍልፍል ፋይናንስ ጉጅለታት ጥፍኣት ህወሓትን ኦነግ ሸኔን ኮይኖም ኢዮም ብዝብል ገበን ተጠርጢሮም ጉዳዮም ኣብቲ መጋባእያ እንትረአ ምፅንሑ ይዝከር ክብል ኢቲቪ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.