Fana: At a Speed of Life!

በዓል ዓወት ዓድዋ ቐፃልነት ዘለዎ መስሕብ ቱሪዝምን ቁጠባዊ ዕብየትን ትግራይ ብዘረጋግፅ ክኽበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ ዘበን ዝኽበር መበል 128 ዓመት ዝኽሪ ታሪኻዊ በዓል ዓወት ዓድዋ፥ “ቱሪዝም ትግራይ ከመይ ነላልይ” ኣብ ዝብል ዛዕባ መድረኽ ዘተ ተሳሊጡ።

እቲ መድረኽ፥ ብምትሕብባር ቢሮ ባህልን ቱሪዝም ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ምምሕዳር ከተማ ዓድዋን ኣብ ከተማ መቐለ ኢዩ ተኻይዱ።

ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ኣፅብሃ ገብረእግዚኣብሄር(ዶክተር)፥ ኣብ 2016 ዓ.ም ዝኽበር ታሪኻዊ በዓል ዓወት ዓድዋ ክብሩን ትሕዝትኡን ሓሊዩ ኢዩ ክኽበር ኢሎም።

ነቲ በዓል ከም ዕድል ብምጥቃም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ፀጋታት ምልላይ፣ መፃኢ ቑጠባ ክልል ትግራይ ከመይ ምብራኽ ይክኣል ዝብል  ዘተ ከምዝሳለጥ ሓቢሮም።

ብሓፈሻ ኣብዚ ዓመት ዝኽበር በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተርኣዩ ክፍተታት ዝእረሙሉን ትምህርቲ ዝውሰደሉን ብምዃኑ ንቐፃሊ ዝሐሸ ኣንፈት ዝህብ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ዓድዋ ኣይተ ዮሃንስ ገብረኣምላክ ብግድኦም፥ ዓወት ዓድዋ ካብ ህዝቢ ትግራይ ሓሊፉ፣ ሓበን ኩሎም ፀለምቲ ኣፍሪካውያን ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ብምዃኑ ድማ ኣብዚ ዓመት ዝኽበር መበል 128 ዓመት ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ዝነበሩ ፀገማት ብምቕራፍ ትካላዊነት ሒዙ ዝኽበረሉን ኢዩ ኢሎም።

ንትግራይ ድማ ቐፃልነት ዘለዎ መስሕብ ቱሪዝም፣ ቁጠባዊ ዕብየት ልዑል ትርጉም ብዝህልዮ መንገዲ ከምዝኽበር ተዛሪቦም።

እዚ ንምፍፃም ዛጊድ ዝተፈላለያ ኮሚቴታት ብምጥያሽ ኣድላይቲ ስራሕቲ እናወገና ንርከብ ኢሎም።

ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ፥ በዓል ዓወት ዓድዋ እንትኽበር ነቲ በዓል ዘድምቑ ስራሕቲ ምልላይ ቱሪዝም፣ ፀጋታትን ሓድግታትን ሓቢሮም ዝኸዱ ተግባራት ጎሊሆም ዝንባረቑሉን ንክኸውን ግደኦም ከምዝፃወቱ ምርግጋፆም ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.