Fana: At a Speed of Life!

በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብ ኩለን ክልላት ንኽኽበር እናተሰርሐ ዝፀንሐ ስራዕ ዕዉት ከምዝነበረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣከባብራ መበል 125 በዓል ዓወት ዓድዋ ኣመልኪቱ ሚኒስቴር ባህሊን ቱሪዝምን ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቡ።

እቲ መግለፂ ዝሃባ ሚኒስትር ባህሊን ቱሪዝምን ዶክተር ሂሩት ካሳው፥ ናይዚ ዓመት በዓል ኣከባብራ ዓወት ዓድዋ ፍሉይ ዝገብሮ ሕብረተሰብ ዓወት ዓድዋ ናይ ባዕሉ ታሪኽ ገይሩ ንኽሕዞ ግንዛበ ዝተፈጠረሉ ምዃኑ ኢዩ ኢለን፡፡

እቲ በዓል ክሳብ ወረዳታት ወሪዱ ንኽኽበር ከምዝተገበረ እውን ገሊፀን፡፡

እተን ሚኒስትር ብብርኪ ሃገር ዝህልዉ ዝርዝር መጠቓለሊ መርሃ ግብሪታት ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፥ ካብ 19 ክሳብ 23 ለካቲት 2013 ዓ.ም ዓውደ ምርኢታት ስእሊን ቅርፃ ቅርፂን፣ ፎቶን መፃሕፍቲን፣ ከምኡ እውን ውድድር ጉያ ጎደናን ከምዝካየድ ተዛሪበን፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ነቲ በዓል ዝገልፅ ቴኣትር፣ ታሪኽ ዓድዋ ብሙሁራት እንትረአ ዝብል ፓነል ዘተ፣ ኣብ ብሄራዊ ሙዜም፣ ብሄራዊ ቴኣትር፣ ኣብ ፓርክ ወዳጅነት ኩባ፣ ኣብ ፓርክ ሓድነትን ወዳጅነትን ክካየድ ኢዩ ምባለን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.